ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ብዓቃባውያን ደያኑ ዝተዓብለለ ጠቕላላ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ጽገናዊ ለውጢ ንምግባር ሎሚ ሰኑይ እማመ ኣቕሪቡ'ሎ።
ኣብቲ ብካማላ ሃሪስ’ውን ዝተደገፈ ንድፊ፡ ደያኑ እቲ ቤት ፍርዲ ን18 ዓመት ገደብ ክህሉዎምን ብስነ-ምግባር ዝቕየዱሉ መምርሒ ክትግበርን ዝእምም’ዩ። ደያኑ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ሓንሳብ ናብቲ መዝነት ምስ መጽኡ ብሞት ወይ ካልእ ኣጋጣሚ እንተ ዘይተኣልዮም ንዕድመ ልክዕ’ዮም ዘገልግሉ።
እቲ ንድፊ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ሓሊፉ ክጸድቕ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ንኡስ’ዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ'ሎ።
ቅጥዒ