ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ኣብ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ሰብኣዊ ደውታ ክግበር ጸዊዖም


ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ንሰብኣዊ “ደውታ” ክድሊ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘለዎም ገሊፆም። ንሶም ነዚ ዝበሉ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሚናፖሊስ ንናይ 2024 ምርጫ ጎስጓስ መተኣኻኸቢ ገንዘብ ኣብ ዘካይድሉ እዋን መደረኦም ብሓደ ውልቀሰብ ምቁራፅ ተኹሲ ክግበር ዝጽውዕ ድሕሪ ምቁራፁ እዩ። “ደውታ ዘድልየና ይመስልኒ” እዚ ማለት “እሱራት ንኽወፁ ግዜ ምሃብ ማለት እዩ” ክብሉ’ውን ኣብሪሆሞ። ኣብታ ከተማ ጎስጓስ መተኣኻኸቢ ገንዘብ ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ከባቢ ኮይኖም ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ባንዴራ ፍልስጤምን ዝሓዙ ሰባት “ደብዳብ ነታጒ ኣብ ልዕሊ ህፃናት፣ ሲቪል ፍልስጤማዊያን ሕጂ ተኹሲ ደው ይበል” ዝብሉ ፅሑፋት ዝሓዙ ሰልፈኛታት ተቓውሞኦም ከስምዑ ተራኢዮም።

ብድሕሪ’ዚ ሰልፈኛታት ናብቲ ተቓውሞኦም ዝጀመርሉ ፊት ንፊት ህንፃ ፌደራል ቤትፍርዲ ተመሊሶም ብመሰረት እምነት እስልምና ጸሎት ኣብጺሖም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG