ዋሽንግተን —
ምምሕዳር ባይደን ንኵናት ዩክሬን ዝህቦ ሓገዝ ንምዕዋት ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ንክሰልጦ፡ ኣብ ሓለዋ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ንጠለባት ሰነት ሪፓብሊካን ክቕበል ይሰማማዕ ኣሎ።
ባይቶ ኣመሪካ ንዕረፍቲ ኣብ ዝወጻሉ እዋን፡ ሰበ-ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ምስ ውሑዳት ዝተረፉ ኣባላት ባይቶ ይዘራረቡ`ለዉ።
ኣብዚ ሰሙን`ዚ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ድጋፍ ኣመሪካ ንምሕታት ኣብ ኣብ ዋሽንግተን በጺሑ ኔሩ፡ እንተኾነ ሪፓብሊካን ኣባላት ባይቶ ነቲ ሓገዝ፡ ምስቲ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ዘሎ ናይ ኢሚግረሽን ጉዳይ ከተኣሳስርዎ ምድላዮም ይፍለጥ።
ፕረ. ባይደን ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ቁጽጽር ከሐይል ምስምምዑ ኣብ ተሓለቕቲ ስደተኛታት ናብቲ ዘመን ዶናልድ ትራምፕ ከምለስ ብዝብል ስግኣቶም ይገልጹ።
እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ኣብ ስምምዕ ክሳብ ዝብጻሕ እቲ ንዩክሬን፣ ንእስራኤልን ሃገራዊ ጸጥታን ተባሂሉ ምምሕዳር ባይደን ዝሓተቶ $110 ቢልየን ዶላር ደው ኢሉ'ሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዶብ ሜክሲኮ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ፡ ንመዓልቲ ካብ 5000 እንተበጺሖም እቲ ምውሃብ ዑቕባ ጠጠው ከምዘብልዎ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ይሰማምዑ።
ቅጥዒ