ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ባይደን ኣብ ናይ ኮሮፓሬት ግብሪ ዝነበረ መርገፂኦም ምቕያሮም ተሓቢሩ


ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን መሰረተ ልምዓትን ማሕበራዊ ወፃኢታትን ንምምዋል ግብሪ ንምውሳኽ ካብዝኣተውዎ መፅብዓ ንድሕሪት ኣንሳሒቦም። ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣባላት ኮንግረስ ሕጊ ከይፀድቕ ክናዋሕ ዝህቦም ናይ ሰኔት ድምፂ ናይ ምሃብ መሰል /Filibuster/ ‘’ብመሰረታዊነት ብምልዋጥ’’ ክመሓየሽ ክፉት ምዃኖም ትማሊ ሓሙስ ብCNN ኣብ ዝተዳለወ ናይ ኣዳራሽ ኣኼባ ገሊፆም።

ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን CNN ኣብ ዘዳለዎ ናይ ኣዳራሽ ቃለ ምልልስ ኣብ ሰፋሕቲ ኣጀንዳታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ድሕሪ ኣብ መንጎ ዴሞክራት ዝተኻየደ ናይ ሰሙናት ምስሕሓብ ብዝምልከት ስጉምትታት ንምሕላፍ ከምዝቐረቡ ገሊፆም።

ግን ሓደ ኣዚዮም ካብ ዝተጠቐሱ ተስፋታት ናይ ኮርፖሬት መጠን ግብሪ ምውሳኽ ናይቲ ሕጊ ኣካል ኣይኸውንን ኢሎም።ዓበይቲ ኩባኒያታት ወይ ኮርፖሬታት ካሊእ ርእሱ ዝኽኣለ ዝወሓደ ክኸፍሉዎ ዝግባእ ናይ ግብሪ ንድፊ ንማሕበራዊ ፕሮግራማት ክውዕል እዩ ኢሎም ባይደን።

ብዛዕባ ድምፂ ናይ ምሃብ መሰላት ዝተሓተቱ ባይደን ናይ ሰኔት ሕጊ ንምሕላፍ ካብ 100 ሰኔተራት ኣሜሪካ 60 ድምፂ ክረክብ ዘድልዮ ናይ ፈሊባስተር ልምዲ ንምቕያር ደገፎም ገሊፆም ኣለው።ፈሊበስተር ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣባልኮንግረስ ሕጊ ከይፀድቕ ክናዋሕ ዝገብር ዝህቦም ናይ ሰኔት ድምፂ ናይ ምሃብ መሰል እዩ።

እቲ መሰናኽል ዴሞክራቲክ ፓርቲ ብዘለዎ ፀቢብ ዓብላላይ ድምፂ ኣብ ቀንዲ ማሕበራዊ ጉዳያት ሓይሊ ኣልቦ ገይሩዎ ፀኒሑ እዩ።

ኣብ ናይ ባይደን ትልሚ ማሕበራዊ ወፃኢ ግብሪ ማእኸላይ ዛዕባ ነይሩ።እዚ ኣብ ካፒቶል ሂልን ዋይት ሃውስን ናይ ክርክር ኣጀንዳ እዩ።ተደራደርቲ ደገፍ ሓደሽቲ ፕሮግራማት ክሓቁፍ ድለየት ዝሓዙ ገስጋሳይ መርገፂ ናይ ዘለዎምን መጠን ናይቲ ወፃኢ ናይ ዘሰክፎም ለዘብተኛታትን ንምርካብ ይፅዕሩ ኣለው።

እቲ ናይ ግብሪ እንካ ሃባ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ 2017 ኣ\ፈ ናይ ኮርፖሬት ግብሪ ካብ 35 ምእታዊ ናብ 27 ምእታዊ ዘውረዶ መጠን ግብሪ ባይደን ሓፍ ከብሉዎ ንዘለዎም ትልሚ ስኽፍትአን ናይ ዝገለፃ ሰኔተር ክሪስቲን ሲነማ ደግፍ ንምርካብ ዘኽእል እዩ።

እቲ ልዝብ ሕዚ ኣብ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዛዕባታት ዘማእኸለ እዩ ኢሎም ባይደን።

ባይደን ኣብ ናይ ሓደ ትሪሊዮን ዶላር ዘይሻራዊ መሰረተ ልምዓት ስምምዕን ካሊእ ዝተፈለየ ክልተ ትሪሊዮን ዶላር ዝዋግኡ ማሕበራዊ ወፃኢ ትልሚን ኣብ ስምምዕ ክብፃሕ ብዓርሰ እምነት ይገልፁ።

ዴሞክራት ኣብ ስምምዕ ክበፅሑ ቀሪቦዶ ኣለው? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ባይደን ‘’ንሱ እዩ እምነተይ’’ኢሎም።

ድምፂ ናይ ምሃብ መሰል መመሓየሺ ሕጊ ንምሕላፍ‘’ብመሰረታዊነት ንምልዋጥ’’ ክድግፉ እንተኾይኖም ብጋዜጠኛ CNN ኣንደርሰን ኩፐር ዝተሓተቱ ባይደን’’ካብኡ ንላዕሊ እውን’’ክብሉ መሊሶም።

ኣብ ሰኔት 36 ዓመታት ዘገልገሉ ባይደን ቅድሚ ሎሚ ንናይ ፈሊበስተር ዝፀንሐ ኣሰራርሓ ይቃወሙዎ ነይሮም።

ገለ ዴሞክራት ሰኔተራት ኣብቲ ፀቢብ ኣፈላላይ ዘለዎ ቤት ምኽሪ ናይ ሪፓብሊካዊያን ተቓውሞ ኣብዘለሉ እቲ ኣሰራርሓ ንምልዋጥ ኣብዚ ዓመት ሓሳብ ከቕርቡ ፀኒሖም እዮም።

‘’ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣጀንድኦም ንባይደን ጠጠው ንምባል እዩ’’ ኢሎም እቶም ፕሬዝዳንት።

ኣብቲ ገንዘብ ናይ ምውፃእ ሕጊ ባይደን ሸቶታት ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምዕዋት ናይግብሪ መተባብዒ ከምዝጥቀሙ እውን ገሊፆም።

ባይደን እቲ ናይ ወፃኢ ሕጊ መሳርሒታት ሓጋዚ መስምዒ፣ናይ ስንን ዓይንን ሕክምና ረብሓታት ዝሕግዙ ኣሰራርሓታት እንተድኣ ሒዙ ዘሀፍትሞ እዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ትምህርቲ ዝተሓተቱ ባይደን ሎሚ እውን ነፃ ናይ ማሕበረሰብ ኮሌጅ ክህሊ ትፅቢት ከምዝገብሩ ሓቢሮም።ነፃ ናይ ማሕበረሰብ ኮሌጅ ዝብል ግን ንዝቕፅሉ ብዙሓት ዓመታት ካብቲ ናይ ወፃኢ ትልሚ ወይ ፓኬጅ ወፂኡ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ኩፐር ናይ ማሕበረሰብ ኮሌጅ ፕሮፌሰር ዝኾና ብዓልቲ ቤቶም ጂል ባይደን እዚ ነፃ ናይ ማሕበረሰባዊ ኮሌጅ ተበግስኦም ካብቲ ትልሚ ወፃኢ ምዃኑ እንታይ ከምዝተሰምዐን ሓቲቱወን ነይሩ።

‘’ ፅቡቕ ዋይት ሃውስ ብዙሕ መደቀሲ ክፍልታት ኣለዎ’’ክብሉ ሕጉስቲ ከምዘይኮና ብዝሕብር ብቀልዲ መሊሶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG