ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን ብምኽንያት መዓልቲ ማርቲን ሉተር ናብ ፊላደልፊያ ይጓዓዙ


ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መዓልቲ ማርቲን ሉተርን ኪንግ ዝሓለፈ ዓመት
ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መዓልቲ ማርቲን ሉተርን ኪንግ ዝሓለፈ ዓመት

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሎሚ ተዘኪሩ ኣብ ዝውዕል መዓልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ናብ ከተማ ፊላደልፊያ ፐንሲልቫንያ ብምጕዓዝ ምስ ማሕበረኮም የውዕሉዎ ኣለዉ። ፕረዚደት ባይደን ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ሎሚ ንሳልሳይ ዓመቶም ኣብ ዝገብሩዎ ዘለዉ ዝኽሪ፡ እታ መዓልቲ ኣብ ምኽታም ጥሜት ኣብ ዝግበር ጎስጓስ የውዕሉዋ ኣለዉ።

ሰኑይ 15 ጥሪ ዓመታዊ ኣብ ኣመሪካ መዓልቲ ተቓላሲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝዝከር ኰይኑ፡ እዛ መዓልቲ ንኽብሪ’ቶም ኣብ ፍልልይ ሕብሪ ቆርበት ኣመሪካ ኣበርቲዖም ዝተቓለሱን ድሒሮም ድማ ግዳይ መቕተልቲ ዝዀኑን ትዝከር።

ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ’ውን በዚ ኣጋጣሚ ናብ ደቡብ ካሊፎርኒያ ይጓዓዛ ኣለዋ። ቤተ መንግስቲ ዋይት-ሃውስ፡ ነዛ መዓልቲ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣንጻር ኣድልዎን ዓመጽን ክቃለሱን ድምጾም ከስምዑን ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG