ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣመሪካ ኣስታት 2.5 ቢልየን ዶላር ብመልክዕ ኣጽዋራት ናብ ዩክሬን ከም ትሰድድ ኣፍሊጡ።
ምምሕዳር ባይደን፡ ቅድሚ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ መዝነት ምርካቡ፡ ኩሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝተመደበ ሓገዝ ንዩክሬን ክህቦ ይጎየ’ሎ።
ገለ ክፋል እቲ ገንዘብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ካብ ዘለዎ መኻዚኖ ኣጽዋራት ኣውጺኡ ንዩክሬን ክሰድድ ፕረዚደንታዊ ስልጣን ዝተዋህቦ ኮይኑ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ኣብ ኻልእ ሓገዝ ጸጥታ ዩክሬን ዘጠቓለል'ዩ።
ድሕሪ ቁሩብ ሰሙናት ፕረዚደንትነት ኣመሪካ ዝርከብ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኲናት ሩስያን ዩክሬንን ቅልጡፍ መዕለቢ ከም ዝገብረሉ ቃል ብምእታው፡ ሓደ እዋን'ውን ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ክንእድ ተሰሚዑ ኔሩ'ዩ።
ቅጥዒ