ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር ባይደን ትኪ ንምንካይ ዘካይዶ ጻዕሪ ዕንቅፋት ይገጥሞ ምህላው ይገልጹ


ምምሕዳር ባይደን ካብ መካይን ዝወጽእ ብከላ ትኪ ንምንካይ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ብገለ ሪፓብሊካን ዕንቅፋት ይገጥሞ`ሎ።

ይግባኝ ዝሰምዕ ፈደራል ቤት ፍርዲ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ካብ ናእሽቱን ዓበይትን መካይን ዝወጽእ ትኪ ንምንካይ ብምምሕዳር ባይደን ዝወጸ መምርሒ ዝምልከት ክርክራት ሎሚን ጽባሕን ይሰምዕ ኣሎ።

ሪፓብሊካን ዘቕርብዎ ዘለዉ ክርክር፡ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ መጠኑ ዝሓለፈ`ዩ ዝብል`ዩ። ተሓለቕቲ ከባቢያዊ ተፈጥሮን ምምሕዳር ደሞክራትን ድማ፡ እቲ መምርሕታት ምንካይ ብከላ ትኪ እንተተዓጺፉ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣንጻር ክሊማዊ ለውጢ ትወስዶ ስጉምቲ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ`ዩ ክብሉ ይከራኸሩ። መጎዓዝያ ዝዓበየ ጠንቂ ብከላ ኣየር ምዃኑ ይእመን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG