ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጆ ባይደን: ትራምፕ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ምቁፅፃር ኣይክኣሉን ክብሉ ነቒፎምዎም


ንሕፀ ፕሬዝዳንትነት ዴሞክራቲክ ፓርቲ ትማሊ ሓሙስ ብዕሊ ዝተቐበሉ ጆ ባይደን ፕሬዝዳንትዶናልድ ትራምፕ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሓዝሉ ኣገባብ ኣብቲ ዝቕፅል ሕዳር ዝካየድ ምርጫ ቀንዲዛዕባ ክኸውን ወሲኖም ኣለው።ሃገራዊ ጉባኤ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ብኣካል ከይተራኸበ ኣብ ዛዛሚ ናይ ርሕቐት ወይ ቨርቹዋል ጉባኤኡ እቲ ፓርቲ ንትራምፕ ንምቅዋም ከም መርኣያ ፍልልይን ሓድነትን ተጠቒምሉ ኣሎ።

ብወግዒ ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ምስኮኑ ጆ ባይደን እቲ ፖለቲካዊ ቅልስ ንሪፓብሊካዊ መነሓንሕቶም ዒላማ ብምግባር ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁፅፃር ኣይክኣሉን ክብሉ ነቒፎምዎም።

‘’ፕሬዝዳንትና ኣብ ቀንዲ ስርሑ ናይዛ ሃገር ፈሺሉዎ እዩ’’ ንሶም ‘’ንዓና ኣብ ምክልኻል ፈሺሉዎ። ንኣሜሪካ ኣብ ምክልኻል ፈሺሉ እዩ።እዚ ይቕሬታ ክግበረሉ ዘይግባእ ተግባር እዩ’’ ክብሉ ገሊፆም።

ምስፍሕፋሕ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ሰባት ብማዕዶ ዝተሳተፍሉ ኣብዚ ናይ ኣርባዕተ ማዕልታት ጉባኤ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ፍሉጣት መደርቲ ነቲ ንልዕሊ 174,000 ኣሜሪካዊያን ህይወት ዘጥፍአ፣ቁጠባዊ ውድቀት ዘስዓበን 30 ሚሊዮን ሰባት ካብ ዝራሕ ወፃኢ ዝገበረን ለበዳ ኣስሚሮምሉኣለው።

እቲ ለበዳ ውሁዳን ነገዳት ግዳያት ዝለዓለ ሞትን ሸቕሊ ኣልቦነትን ስለዝገበሮም ኣብዛ ሃገር ዘይማዕርነታዊነት ዘርኢ ዝፈጠሮ ዘይምርግጋእ ክንህር ገይሩ ኣሎ ኢሎም።

ሕፅይቲ ምኽትል ፕሬዝዳንት ዴሞክራቲክ ፓርቲ ሰኔተር ካማላ ሃሪስ ‘’እዚ ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ ኣይኮነን።ውፅኢት መሓውራዊ ዘርኣውነት እዩ’’ ኢለንኦ።

ብውልቂ ንቬርሞንት ዝውክሉ ሰኔተር በርኒ ሳንደርስ ትራምፕ ንኻልኦት ዘይግደስ ክብሉ ብምኹናን ‘’ሮማ እናሓረረት ከላ ክንክን ንኒሮ ከምዝብሃል ትራምፕ ጎልፍ ይፃወት’’ ኢሎም።

ናይ ቀደም ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ባራክ ኦባማ ብወገኖም ንትራምፕ ዘይብቑዕ ክብሉ ብምፅዋዕ ‘’ዶናልድ ትራምፕ ነዚስራሕ ብዝምጥን ኣይዓበየን ምኽኒያቱ ክዓቢ ኣይኽእልን’’ ኢሎምዎም።

ቀዳማዊት እመቤት ዝነበራ ሚሸል ኦባማ ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ውፂታዊ መሪሕነት ክህቡ ኣይክኣሉን ‘’ብቐሊል ኣበሃህላ ንዓና ክኾነልና ብእንደልዮ ክኸውን ኣይኽእልን።እቲ ሓቂ እዚ እዩ’’ ክብላ ብትሪ ነቒፈን።

ብንፅፅር ፕሬዝዳንት ትራምፕ እቲ ምርጫ ናይታ ሃገር ቁጠባ ዳግም ብዝሓሸ ዝሃንፅ መን እዩ ዝብል ንምርኣይ ይፍትኑ ኣለው።ኣብ ውሽጢ እቲፓርቲ ኮይኖም ግብሪ ንምውሳኽን ዓለምለኸ ነፃ ንግዲ ብምርግጋፅ ስራሕ ናብ ወፃኢ ሃገር ክሰዱ ድልየት ናይ ዘለዎምን ሶሻሊስ ቅድሚት ዝስራዕ ድኹም ሰብ እዩ ክብሉ 74 ዓመት ዝዕድሚኦም ፕሬዝዳንት ን77 ዓመት ዝዕድሚኦም ባይደን ኣጥቒዖምዎም።

‘’ኣነ፣ንሕና ነዛ ኣብ ናይ ዓለም ታሪኽ ዝዓበየት ሃገር ንምዕናው ዝካየድ ዘሎ ውፁእ ዕብዳንን ሕልሚ ኣሜሪካን ንምሕላውን ኣብ መንጎ ዘለና መንድቕ ኢና ንሕና’’ ኢሎም ትራምፕ።

ባይደን ኣብ ናይ ትማሊ ምሸት መደርኦም ዘስምረሉ ጉዳይ ውራያት ናብቲ ንቡር ቅድሚ ምምላሶም ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምምካት ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግብኦም ብርቱዓት ስጉምትታት የድሊ ኢሎም።

‘’ነዚ ቫይረስ ሓደ ነገር ከይገበርና ቁጠባና ፈፂምና ናብቲ ስሩዕ መስመር ሃዲድ ክንመልሶ ኣይንኽእልን፣ፈፂምና ደቅና ብውሑስ ናብ ቤት ትምህርቲ ክንመልሶም ኣይንኽእልን፣ ናብ ስሩዕ ህይወትና ብፍፁም ክንምለስ ኣይንኽእልን’’ ኢሎም ባይደን።

ናይ ዴሞክራቲክ ቨርችዋል ጉባኤ ንናይ ነገዳት ኣፈላላይን ሓድነትን ኣብ ዘጉልሀሉ ተንተንቲ እዚ ናይ ሎም ዘበን ምርጫ ንፕረዝዳንት ትራምፕ ረፈረንደም፤ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ ወሳኒ ዛዕባ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG