ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማራቶን ምንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ


ክፋል ራእይ ዮሃንስ
ክፋል ራእይ ዮሃንስ

ትማሊ ሓሙስ ኣሜሪካዊያን ኣብ ቆራር ወቅቲ፣ ኣብ ፊት ንፊት ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ወፂኦም ንመፅሓፍ ቅዱስ ብዘይምቁራፅ የንብቡ ውዒሎም።

እቲ ዓመታዊ ፕሮግራም ማራቶን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ሎሚ-ዘበን ንመበል 27 ጊዜ’ዩ ተካይዱ።

ቀሺ ጀፍርይ ላይት ካብ ቤተ-ክርስትያን መጥምቃዊያን ንቪኦኤ ክዛረብ ከለው፣ ‘መሰረት ንባብ መፅሓፍ ቅዱስ፣ ከምመጠን ደቂ-ሰባት፣ ዕላማ ህይወት ንምፍላጥን፣ እቲ ዕላማ ድማ ካብ ፈጣሪና ዝተቀበልናዮ ንምኻኑ ንምዝኽኻር’ዩ’ ኢሎም።

ብመሰረት ኣብ’ዚ ቀረባ ዝተሳለጡ መፅናዕታት፣ ህዝቢ ኣሜሪካ ኣዝዩ ሃይማኖታዊ’ዩ እንተኾነ በዝሒ ብፈጣሪ ዝኣምን ይንኪ ከምዘሎ ሓቢሩ’ሎ።

በዝሒ መዓልታዊ ናብ ፈጣሪ ዝፅልዩ ከምኡውን ወርሓዊ ናብ ኣብያተ-ክርስትያናት ዝኸዱ ኣሜሪካዊያን ከምዘንቆልቆለ’ውን እቲ መፅናዕቲ ይሕብር።

ብኣንፃሩ፣ በዝሒ ሃይማኖት ዘይብሎም ኣሜሪካዊያን ኣዝዩ ይውስኽ’ሎ ብመሰረት’ቲ መፅናዕቲ።

ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ግና ቴስዓ ሚእታዊ ክርስትያናት’ዮም። ዝተረፉ ሙስሊማት፣ ሂንዱን ኣይሁዳዊያንን’ዮም። ኣምላኽ የለን ባሃልቲ ኤተይስት’ውን ኣለው።

XS
SM
MD
LG