ዶ/ር ኣረጋይ ግርማይ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ክፍለ ግዝኣት North Carolina ናይዚ ንዛዝሞ ዘለና ናይ ኣውሮፓዊያን ዓመተ 2019 ብሉፅ ሓኪም ብምዃን ተዓዋቲ ሽልማት ዋንጫ ኮይኖም ኣለው።
ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉዳትን ዶ/ር ኣረጋይ 4,000 ኣባላት ካብ ዝሓዘ ናይ North Carolina ኣካዳሚ ሓካይም ስድራ /North Caroline Academy of Family Physicians/ ብሰለስተ መሰረታዊ መዐቀኒታት ክንክን ሰብ ሙያ ጥዕና ነዚ ሽልማት ተሓሪዮም ኣለው።
‘’ርህራሀ ዘለዎ ክንክን/፣ compassionate care /፣ኩለመዳይ ክንክንን/ comprehensive care/ ኣብ ሙያን ማሕበረሰብን ኣብነታዊ /Role Model/ ብምዃንን እየ ተሓሪየ’’ይብሉ ዶ/ር ኣረጋይ።
ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ መቐለ ምስተምሃሩ ቅድሚ 38 ዓመት ናብዚ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ብምምፃእ ብኬምስትሪ ምስ ተመረቑ ኣብ 1992 ኣ/ፈ ብሕክምና ተመሪቖም።ብካንሰር ጫፍ ማህፀን ካንሰን /Cervical Cancer/ ብHIV/AIDSን ስፔሻላይዝ ከምዝገበሩ ይገልፁ።
ኣብ North Carolina ኣብ ዝርከብ ግልጋሎት ጥዕና ስድራ ጋስተን/ Gaston Family Health Services / ን22 ዓመታት ሰሪሖምን ኣብ ምስራሕ ይርከቡን።ኢንሹራን ንዘይብሎምን ትሑት መነባብሮ ንዘለዎምን ሰባት ምክንኻን ከምዘዕግቦም ይገልፁ።
ዶ/ር ኣረጋይ ግርማይ ካብቶም ፍሉጣት ሽዱሽተ ዓለምለኸ ጉያ ማራቶን ኣብ ሓሙሽቲኦም ኣብ ማራቶናት ቦስተን፣ቺካጎ፣ኒው ዮርክ፣በርሊንን ለንደንን ሓዊሱ ኣብ 65 ማራቶናት ከምዝተሳተፉን ኣብታ ዝተረፈት ሻድሸይቲ ናይ ቶክዮ ማራቶን ንምስታፍ ተስፋ ከምዘለዎምን ገሊፆም።
ምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።