ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ፓርቲኦም ወኪሎም ክወዳደሩ ዝጸንሑ በርኒ ሳንደርስ ወፍሪ ምርጫ ደው ኣቢሎም


ንዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ብምውካል ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ንምዃን ምስ ጆ ባይደን ክወዳደሩ ዝነበሩ በርኒ ሳንደርስ ወፍሪ ምርጭኦም ብወግዒ ደው ኣቢሎም።

እቲ ኣብ ዝቕፅል ሕዳር ዝካየድ ሃገራዊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ፕፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ምኽትል ፕፕረዚደንት ዝነበሩ ጆ ባይደንን እዩ።እዚ ዝተረጋግፀ ንባዕሎም ዴሞክራሲያዊ ሶሻሊስት ኢሎም ዝፅውዑ ናይ ቬርሞንት ሰነቴር በርኒ ሳንደርስ ወፍሪ ምርጭኦም ደው ድሕሪ ምባሎም እዩ።

ካብ ገዝኦም መግለፂ ዝሃቡ ሳንደርስ ባይደን ‘’ኣዚዮም ምቕሉል’’ ኢሎም ብምፅዋዕ ክደፍኡሎም ኣብ ዝፀንሑ ዛዕባታት ሓቢሮምዎም ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG