ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ንሕቶ ምልቃቅ መዝነት ኣቶ በረኸት ስምኦን መረዳእታ ኣይበጽሓንን" ሚኒስተር ኮሚዩኒኬሽን ኢትዮጵያ


ኣቶ በረኸት ስምኦን
ኣቶ በረኸት ስምኦን

ኣብ መሪሕነት ኢህወደግ ልዑል ሓላፊነት ዝነበሮም ኣቶ በረኸት ስምኦን: ካብ መዝነት ሚንስትሪ ማእከል ምርምርን መጽናዕትን ከምኡ’ውን ካብ ቦርድ ባንክ ኢትዮጵያ ሓላፍነቶም ንምልቃቕ ሕቶ ከምዘቕረቡ ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ምንጭታት ድምጺ ኣሜሪካ: አቶ በረኸት ስምኦን ንምንታይ ስርሖም ናይ ምልቃቅ ሕቶ ከምዘእተው ግን ኣይገለጹን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ: ሚኒስተር ኮሚዩኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ነገሬ ሊነጮ: ነቲ ዜና ካብ መራኸቢ ብዙሓን ካብ ምስምዖም ሓሊፉ: ዝተረጋገጸ መረዳእታ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ከምዘይበጽሐ ኣፍሊጦም።

"ንዓና፡ ናብ መንግስቲ ሕቶ ከምዘእተወ ዝገልጽ ዝተረጋገጸ መረዳእታ ኣይበጸሓናን። ኣበየ ሚድያታቱ ካብ ዝናፈስ ዘሎ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ሓቅነቱ ንዓና ዝበጸሓና ነገር የለን" ኢሎም።

ኣቶ በረኸት ኣብ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ኢህወደግ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ካብ ዝስርዑ መራሕቲ ፓለቲካ ሓደ ክኾኑ ከለው: ሚኒስተር ዜናን ኮሚኒኼሽንን ኢትዮጵያ ኮይኖም ምስርሖምውን ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG