ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ዞባ ከሚሸ ንኣስታት 7 ዓመታት ሓይሊ ኤሌትሪክ ከምዘይብሎም ይሕብሩ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ነበርቲ ከባቢ ዞባ ከሚሸ ብሰንኪ ፀገማት ፀጥታ ንኣስታት ሸውዓተ ዓመታት ብዘይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከምዘለዉ ይገልጹ።

ወሃቢ ቃል ምምሕዳር ዞባ ኮሚሸ ጀርሞሳ ተገኝ ብሰንኪ ፀገማት ፀጥታ ንመስመራት ኤሌክትሪክ ንምትዕርራይ ዝተገብረ ተደጋጋሚ ፈተነ ከምዝተገትአ ይገልጹ።

በዓል ስልጣን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሙሉጌታ በንቲ ብወገኖም ልዕሊ 42-ሽሕ ሜትሮ ዝለዓለ ሓይሊ ዘለዎ መስመራት ትራንስሚሽን ብዘይተፈልጡ ወገናት ተቆሪፁ ወይ ተሰሪቁ 'ዩ ክብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

This item is part of

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG