ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ኣብ ቤንሻንጉል ዝተፈጥረ ግጭት ናብ ብሄር ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ርዒሙ ክብሉ ከለው መንግስቲ’ቲ ክልል ግን ነዚ ይነጽግ


ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈጥረ ግጭት መንቀሊኡ ባእሲ ናይ ክልተ ውልቀሰባት እንተነበረ እውን ስዒቡ ግን ብሄር ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ክብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነባሪ ገሊፆም።ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ብወገኖም ብሄረ ዘተኮረ ኣይነበረን ኢሎም።

ዝሓለፈ 16 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ዞባ ከማሹ ወረዳ ሌዶ ጋንፎ ኣብ ጣቢያ ሎ ዴዳሳ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልተ ውልቀሰባት ዝተፈጥረ ግጭት ናይ ብርክት ዝበሉ ሰባት ህይወት ጠፊኡን ንብረት ዓንዩን እዩ።

ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነባሪ እቲ ከባቢ ብዓይነይ ርእየ ዝበሉ ኣብ መንጎ ክልተ ውልቀሰባት ብሄረሰብ ናይቲ ከባቢን ብሄረ ኣምሓራን ፅልኢ ከምዝጀመረን ተወላዲ እቲ ናይቲ ከባቢ ብሄረሰብ ከምዝተወቕዐን ይገልፅ።

“ድሕሪኡ እቲ ሰብ ምስተውቕዐ ናብ መራሕቲ ተደዊሉ እቲ ሰብ ናብ ሕክምና ተወሲዱ ምስ ሞተ፣ድሕሪኡ እዩ እቲ ኣጋጣሚ ካልእ መልክዕ ዘርኣዊነት ሒዙ እዚ ኹሉ ዕንወት ዝወረደ።”

እቲ ፀገም ዝብእስ ኣብቲ ነባሪ ዘይኮነስ ኣብቶም መራሕቲ እዩ ይብሉ።እቲ ዝሞተ ተማሃራይ 10 ክፍሊ እዩ።ብፅባሒቱ ዕለት 17 ዓርቢ 2010 ዓ.ም ንቀብሪ እናኸዱ ካልእ ግጭት ከምዝተልዓለ ይገልፁ።ናይቲ ክልል መንግስቲ በቲ ግጭት ዝሞቱ ሸሞንተ እዮም ክብል ከሎ እቶም ነባሪ ግን ካብኡ ንላዕሊ ምዃኑ ይገልፁ።

“ድሕሪኡ እቲ ጉዳይ ናብ ብሄር ተለዊጡ ብዘርኣዊነት ሕነ ተፈዲዩ።ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ወይም ኣገው ዝበሃሉ ጭፍጨፋ ተፈፂሙ።ትማሊ 10 ሬሳታት ተደሊዮም ተረኺቦም፣ካብኦም ሓሙሽቲኦም ኣብኡ ዝተቐትሉ፣ክልቲኦም ኣብ ማይ እዮም ተደርቢዮም ተረኺቦም።ትሽዓት ሰባት ኣብኡ ክቕበሩ ከለው ሓደ ሬሳ ናብ ክልል ኣምሓራ ተወሲዱ’ሎ።”

ነበርቲ ሕዚ እውን እንተኾነ ዘጥፍአ ኣካል እናተፈለጠ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ከቢድ ሓደጋ የንፀላልወና’ሎ ክብሉ ስግኣቶም ይገልፁ።ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ንብረቶምን ስድርኦምን ራሕሪኦም ተበታኒኖም ከምዝርከቡ ወሲኾም ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣቶ መንግስቱ ፔሶ ግን ናይ ብሄር መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ክብሃል ኣይክኣልን ይብሉ።

“ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ኣዘራሪብና ኢና።እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ኣምሓራ ዝዓለመ እዩ ዝበሃል ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ።ግን እቶም ውልቀሰባት ካብ ክልቲኡ ብሄረሰባት ስለዝኾኑ ናይ መዋቲ ስድራን መናእሰይን ብቑጥዐ ተለዓዒሎም ኣብ ልዕሊ ካልእ ብሄር ዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ ብምዃኑ እዩ።ኣብ ምክልኻል ተወለድቲ ጉሙዝ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ብሓባር ምስታፎም እውን ግጭት ብሄረሰብ ዘይምዃኑ።”

ኣባላት ብሄረሰብ ጉሙዝ እውን ምስቶም ካልኦት ግዳያት ከምዝተጠቕዑ ብምግላፅ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ትርጉም የብሉን ኢሎም።እቲ ክልል ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ብማዕረ ዘተኣናግድ ስለዝኾነ ንሓዋሩ ንናይ ካልእ ብሄረሰብ ናይ ምንባር ህልውና ዘስግእ ነገር የለን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG