ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሪሕነት ምንቅስቓስ ናፅነት ህዝቢታት ቤንሻንጉል (ቤህነን) ተኣሲሮም


ፋይል
ፋይል

ምንቅስቓስ ናፅነት ህዝቢታት ቤንሻንጉል (ቤህነን) ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ 24 ነሓሰ 2015 ሽዱሽተ ኣባላት መሪሕነትን 18 ኣባላት እቲ ውድብን ኣብ ከተማ ኣሶሳ ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተኣሰሩ ኣፍሊጡ።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ኦዲት እቲ ፓርቲ ኣቶ መሓመድ ሙስጠፋ ክእሰሩ ከለዉ ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ኣብ ኣኼባ ምንባሮም ገሊፆም።

ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ መሪሕነት እቲ ፓርቲ ምኽትል ኣቦ መንበርን ሓላፊ ርክብ ህዝብን ከምዝርከብዎም ተገሊጹ'ሎ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ሃሩን ዑመር ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ መራሕቲ'ቲ ፓርቲ ዓመፅ ከልዕሉ ብምንቅስቃሶም ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ሓቢሮም ኣለው።

ይኹን 'ምበር ነዚ ክሲ እቲ ፓርቲ ኣይቅበሎን። እቲ ፓርቲ መብዛሕትኦም መራሕቲ ሰልፍን ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ኣብዘይዘተይሉን ዘይተረኽብሉን፣ ንኣቦ መንበር ዓብዱሰላም ሸንገል ሓዊሱ ውሑዳት መራሕቲ ጥራሕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ምስ መንግስቲ'ቲ ክልል ክሰርሑ ተሰማሚዖም ምባሉ ዘበገሶ ተቃውሞ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ ።

ኣቐዲሙ ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ዓብዱሰላም ሸንገል ምስ መንግስቲ ክልል ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ በፂሕና እዚ'ኸኣ ተቓውሞ ዘልዕል ጉዳይ ኣይኮነን ምባሎም ይፍለጥ።

እቶም ኣቦ መንበር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ስራሕን ዓቅሚ ምዕባይን እቲ ክልል ኮይኖም ምምዛዞም ማሕበራዊ ገፅ ቤት ጽሕፈት ሓበሬታ እቲ ክልል ካብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ይሕብር ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG