ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ በልጂዩም፡ ክልተ ሽወደናውያን ቀቲሉ ተሰዊሩ ንዝጸንሐ ጥርጡር ቀቲሉ


ፖሊስ በልጂዩም፡ ክልተ ሽወደናውያን ደገፍቲ ኵዕሶ እግሪ ንዝቐተለ ጥርጡር ግብረ-ሽበራ ከም ዝቐተሎ ኣፍሊጡ። ትማሊ ኣብ ከተማ ብራስለስ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ክልተ ሽወደናውያን ቀቲሉ ንኻልእ ድማ ኣቝሲሉ ኣብ ከተማ ብራስለስ ተሰዊሩ ዝጸንሐ ጥርጡር ሎሚ ሰሉስ ብፖሊስ ከም ዝተቐትለ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት በልጂዩም ኣፍሊጣ።

መበቆሉ ቱኒዝያዊ ዝዀነ ጥርጡር ኣኽራሪ ኣማኒ እስልምና ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ጥርጡር ኣብ በልጂዩም ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ምጽናሑ መዛግብቲ ፖሊስ ወሲኾም የመልክቱ። እንተዀነ ዛጊት ምስ ኣብ እስራኤል ዘሎ ቅልውላው ምትእስሳር ከም ዘለዎ ዝሕብር ምልክት ከም ዘይተረኽቦ ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ይሕብር።

እቲ ቅትለት ኣብ ዘጋጠመሉ ሃገራውያን ጋንታታት በልጂምን ሽወደንን ይጻወታ ነይረን። ሃራሚ ቀቲሉ ድሕሪ ምስዋሩ፡ እቲ ጸወታ ተቛሪጹ፡ ንነዊሕ እዋን ኣስታት 35-ሽሕ ዝበጽሑ ደገፍቲ ካብ ስታድዩም ንኸይወጹ ተኸልኪሎም ነይሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG