ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሮ ርክብ ብድምሩ ንኤርትራ ዝረብሐ'ዩ ይብሉ ኣቶ በላይ ገሰሰ


ህዝቢ ትግራይ ንቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ደጊፉ ኣይፈልጥን'ውን ይብሉ ንሶም

ሕብረት ህወሓትን ህዝባዊ ግንባርን ንዓማ ምውቓዕ ዘይሩ ዘይሩ ዝጠቀመ ንሻዕቢያ'ዩ።ምኽንያቱ ሻዕብያ ኣብ ኤርትራ እንኮ ተናሓናሓይ ዘይብሉ ውድብ ኮይኑ ንክንቀሳቀስ ዓብዪ በሪ ዝኸፈተሉ ኹናት'ዩ ክባሃል ይካኣል።እዚ እግረ-መንገዱ ንህወሓት'ውን ኣይጠቀመን ኣይባሃልን።ብዝበለፀ ግን ዕላምኡ ኣብ ኤርትራ ንሻዕቢያ ዝናሓናሕ ውድብ ንከይህሉ'ዩ ገይሩ ኢሎም ኣቶ በላይ ገሰሰ።

ህወሓት ኣብ እዋን ወፍሪ ቀይሕ ኮኸብ ናብ ሳሕል ዝተበገሰሉ ኩነታት ክግምግሙ ክለው ድማ - ድምር ውፅኢቱ ክሪኦ ከለኹ ህወሓት ናይ ሻዕቢያ ናይ ውግእ ስትራተጂ መዕነዋይ'ዩ ኢሉ'ዩ ይኣምን ነይሩ። ስለዚ ሰራዊት ህወሓት ኣብ ግጉይ ወትሃደራዊ ስትራተጂ ኣእቲኻ ክጥጠቕ ምግባር ብስልቲን ዕላማን ደረጃ ጌጋ'ዩ ኢሉ ኣቶ በላይ ገሰሰ።

XS
SM
MD
LG