ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገጣሚ በላይ በቀለ ኣብ ቐይዲ ካብ ዝኣትው ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቐረበ ሰብ-ሞያ ሕጊ ሓቢሮም


ገጣሚ በላይ በቀለ ወያ
ገጣሚ በላይ በቀለ ወያ

ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ማሕበራዊ መራኸብታትን ብዘቕርቦም ፖለቲካውን ማሕበራውን ትሕዝቶ ዘለዎም ግጥምታት ዝፍለጥ ገጣሚ በላይ በቀለ ወያ 10 ነሓሰ 2015 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምውዓሉ ዝተኣስረሉ ቦታ ብንፁር ከይተፈልጠ ምፅንሑን ዛጊት ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረበን ጠበቓን ኣማኻሪ ሕግን ዝኾኑ ብሩክ ደረጀ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም።

ገጣሚ በላይ በቀለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተታሓዘ ኣብ ቀረባ ኣብ ባህርዳር ከምዝርከብ ስጋብ ዝሰምዑ ዘለዎ ኩነታትን ዝተኣስረሉ ቦታን ሓበሬታ ከምዘይነበሮም ኣቶ ብሩክ ወሲኾም ገሊፆም። ንሶም ካብ ስድርኡ ሰሚዐዩ ክብሉ ዝገለፁዎ በላይ በቀለ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሕማም ዓሶ ተታሒዙ ምንባሩን ብሕማም ኩሊት'ውን ከምዝሳቀ፣ ዛጊት ድማ ጠበቃ ሕጊ ይኹን ስድርኡ ከምዘይረኽብዎን ናብ ቤት ፍርዲ እውን ዘይምቅራቡን ወሲኾም ሓቢሮም።

ይኹን እምበር ሎሚ ምስ ስድራ በላይ በቀለ ወያ ብምዃን ፍትሒ ክወሃቦ ዝሓትት ደብዳበ ናብ ሚኒስትር ፍትሒ ከምዘእተዉ ጠበቃ ሕጊ ብሩክ ደረጀ ተዛሪቦም።

እቲ ንድምፂ ኣመሪካ ዝበፅሖ ደብዳበ “ክሳብ ሕጂ በላይ ዝተኣስረሉ ቦታ ከይተፈልጠን ናብ ሕጊ ከይቀረበን ምፅንሑ ከቢድ ገበን እዩ፤ ስለዝኾነ ፍትሒ ክረክብ ወይውን ናፃ ክወፅእ፣ ከምኡ እውን ምስ ስድርኡ፣ ናይ ሕጊ ጠበቅኡን ኣገልግሎት ሕክምናን ንኽረክብ” ዝሓትት እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ካብ ሚኒስትር ፍትሒ ርእይቶ ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ምስ ዓብዪ ጉያ ተተሓሒዙ ካብ ድሮ እቲ ውድድር ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሳልሳይ መደብር ፖሊስ ተኣሲሮም ዝርከቡ ቁፅሪ መንእሰያት 24 ምብፅሑን ክሳብ ሕጂ ናብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ጠበቃን ኣማኻሪ ሕጊ ን ሰሎሙን ገዛኸን ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG