ኣብ ከተማ ቤይሩት ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ንሓላፊ መሓውራት ዜና ሕዝቦላህ ሓዊሱ ሽዱሽተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ ኣብያተ ትምህርቲ'ታ ከተማ ሎሚ ሰኑይ ተዓጽየን ውዒለን ኣለዋ።።
እቲ መጥቃዕታት ነፈርቲ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኣብ ከባቢ ቤይሩት ንዝርከቡ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲን ንክልተ መዓልታት ንኽዓጽው ጌሩ’ሎ።
ካብ መንጎ’ቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተቀትሉ ኣርባዕተ ሰባት ሓደ ወሃቢ ቃል ሕዝቦላህ መሓመድ ዓፊፍ ምዃኑ ሰራዊት እስራኤል ገሊፁ’ሎ።
እስራኤል ኣብ ወታሃደራዊ ንጥፈታት ሕዝቦላህ ርኡይ ግደ ንዘይብሉ ኣባል’ቲ ጉጅለ ክትቐትል ዝውቱር ኣይኮነን። ከም ፀብፃብ ሮይተርስ መብዛሕትኡ ደብዳባት ነፈርቲ ኣብቲ ብዙሕ ንጥፈታት ሕዝቦላህ ዝርከበሉ ካብ ቤይሩት ብሸነኽ ደቡብ ዘሎ ከባቢታት’ዩ ዝካየድ።
ሚንስትሪ ምኽልኻል እስራኤል ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ “ ዓፊፍ ኣብ ወታሃደራዊ ስርሒታት ሕዝቦላህ ርኡይ ፅልዋ ዝነበሮን ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሕዝቦላህ ብቀጥታ ርክብ ዝነበሮ እቲ ጉጅለ ኣንፃር እስራኤል ኣብ ዝገብሮ ግብረ-ሽበራዊ ምንቅስቃሳት ኢድ ዝነበሮን’ዩ” ኢሉ’ሎ።
ኣብ ማእኸላዊ ቤይሩት ዝተኻየደ ካልእ ደብዳብ ነፈርቲ ክልተ ሰባት ቀቲሉ 22 ካልኦት ኣቁሲሉ’ሎ። 11-ሰባት ከኣ ብሰንበት ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ምቕታሎም ኣጃንስ ፍራንስ ሓቢሩ'ሎ።
ኣብ ከሃን-የኑስ ድማ ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ቆልዑ ሓዊሱ 34-ሰባት ከም ዝተቀትሉ ትካል ምክልኻል ሲቪላት ቓዛ ኣፍሊጡ’ሎ።ብመሰረት ሓበሬታ ሚንስትሪ ጥዕና ቓዛ ኲናት ኣብ 7-ጥቅምቲ 2023 ካብ ዝጅምር ንደሓር ቁፅሪ ዝሞቱ ፍልስጤማውያን 44-ሽሕ በጺሑ’ሎ። ልዕሊ ፍርቂ ካብኣቶም ድማ ቆልዓ ሰበይቲ’ዮም ።
ቅጥዒ