ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በይጂንግ ብበረድ ትሽፈን፡ ገና ክዝሕል ምዃኑ ድማ ይግመት


ቤይጂንግ
ቤይጂንግ

ሎሚ ሓሙስ 14 ታሕሳስ ርእሰ-ከተማ ቻይና በይጂንግ ብበረድ ተሸፊና፡ ስሩዕ ትምህርቲ ንኽስረዝ ከም ዝተገብረ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ተመሃሮ ብመንገዲ ርሑቕ ትምህርቶም ክከታተሉ ተገይሩ ኣሎ።

ሎሚ 12 ዲግሪ ትሕቲ ዜሮ ሰንቲግረድ ወይ ድማ 10.4 ዲግሪ ፋራንሃይት ክምዝገብ እንከሎ፡ ክሳብ ጽባሕ ዓርቢ እቲ ዛሕሊ መሊሱ ክጋደድ ምዃኑ ትንበያ ሜትሮሎጂ ይሕብር።

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ደቡባዊ ክፋል ቻይና ኩነታት ኣየር ኣዝዩ ዝሒሉ፡ ንሓያሎ ኣገልግሎታት ጸልዩ ምህላዉ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG