ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሜላታት ምርባሕ ንህቢ ዝነግር መጽሓፍ


Haleka Tadele
Haleka Tadele

ብሕርሻዊ ሞያ ዝላዓለ ፍልጠት ዘለዎም ኣይተ ተስፋይ በላይን ታደለ ኣለምሰገድን ናብ ማኣዲ ንባብ ኣቕሪቦማ ዘለዉ “ሜላታት ምርባሕ ንህቢ” ዝብል ርእሰ ነገር ዝሓዘት መጽሓፍ ኣብ መሰረታዊ መትከላትን ተግባራትን ልምዓት ንህቢ ዘድሀበት እያ፡፡


እታ መጽሓፍ ኣብ ረብሓ ልምዓት ንህቢ ዝጠመተ ስርጸት ንምፍጣርን ኣብ ሓረስቶት ዝረአ ዘሎ ሃህታ ፍልጠትን ክእለትን ንምምላእ ብምሕሳብ ዝተሰናደአት መጽሓፍ እያ ይብሉ ኣይተ ታደለ ኣለምሰገድ፡፡
እታ መጽሓፍ ዝላዓለ ረብሓ ከምዘለዋን ብፍላይ ድማ ንሓረስቶት ብዝርደኦም ቋንቋን ቅልል ዝበለ ኣቀራርባን ኣብ ፍርያት ንህብን ኣብ ሓለዋ ከባቢን ልዑል ኣበርክቶ ትህብ፡፡ ብተወሳኺ ንክኢላታት ሕርሻ ሞያዊ ዓቕሞም ንምዕባይ ትሕግዝ፡፡ ሰብ ሃፍቲ ኣብዚ ዓውዲ ልምዓት እዚ ክወፍሩ ተመራመርቲ መጽናዕቲ ከካይዱ ከምኡ’ውን ተፈጥራዊ ህይወት ንህቢ ንዝንእዱ ተወሳኺ ፍልጠት ኽረኽቡ ትረድእ መጽሓፍ ምዃና ጻሓፍቲ እቲ መጽሓፍ ይነግሩና፡፡
“ንንህቢ ተባሂሉ ዝለምዕ ተኽሊ ስለዝህሉ ኣግራባት ከይበርሱ ይገብር፡፡ ሃፋዊ ቆጽሊ ወሲኹ መጠን ማይ ይውስኽ” ኢሎም ሓደ ካብቶም ጻሓፍቲ ኣይተ ታደለ ኣለምሰገድ፡፡

ንምስምዑ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:35 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG