ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦርድ ምምሕዳር ድምጺ ኣመሪካ ንክፍሊ ትግርኛ ናይ ክብሪ ሽልማት ሂቡ


ብምኽንያት 15 ዓመት ጽንብል ፈነወ ትግርኛ፡ ናብ ቤት-ጽሕፈት ክፍሊ ትግርኛ ብምምጽእ ብኹሎም ኣባላት ቦርድ ዝተፈረመ ሽልማት ዘረከቡ፡ ኣባል ቦርድ ቪክቶር ኣሽ ከምኡ ድማ ዲረክተር ድምጺ ኣመሪካ ደቪድ አንሶር እዮም

“ንህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቛንቋ ትግርኛ ክፉት ርክባት ሓበሬታን ኣተሓሳስባን ንምዝርጋሕ ንዘርአኽምዎ ተወፋይነትን ኣገልግሎትን ኣፍልጦ ንህብ።ኣብ ወርሒ ሓምለ 1996 ዓ.ም.ፈ. ፈነውኡ ካብ ዝጀመረሉ፡ ክፍሊ ትግርኛ፡ ንህዝቢታት ክሊቲኤን ሃገራት ኣብ ምርኻብ ዘርኣዮ ዓቕሚ፡ ርቱዕ ጋዜጠኝነት፡ ተኣማንነት ከምኡ`ውን ብምጥቃም ብዝሐ-ኩሉ-መዳያዊ መስመራት ምዝርጋሕ ሚዲያ ኣቢሉ፡ ኣብ ሰማዕቱ እምነትን ክብርን ኣሕዲሩ`ዩ። ብምኽንያት 15 ዓመት ጽንብል ድምጺ ኣመሪካ ፈነወ ቋንቋ ትግሪኛ`ምበኣር ፡ እንቋዕ ኣሓጎሰኩም እናበልና ምሳኹም ንጽንብል ኣሎና”።

ቦርድ ምምሕዳር ፈነወ ኣመሪካ (BBG)

ድምጺ ኣብ ምልክት ድምጺ ኣሎ

“ In recognition of your dedication and service to the people of Eritrea and Ethiopia through the open communication of information and ideas in the Tigrigna language. Since your first broadcast in July 1996, the Tigrigna Service`s ability to connect the peoples of its two target countries, objective journalism, reliability, and multimedia broadcasts have earned you the faith and trust of your audience. We congratulate and celebrate with you on the occasion of the 15 anniversary of VOA broadcasting in the Tigrigna language”.

U.S Broadcasting Board of Governors (BBG)

XS
SM
MD
LG