ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቦ-መንበር ቢቢሲ ካብ ስልጣኑ ለቒቑ


ኣቦ-መንበር ፈነወ ቢቢሲ ኰይኑ ካብ 2021 ጀሚሩ ከገልግል ዝጸንሐ ሪቻርድ ሻርፕ፡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶን ልቓሕ ንምርካብ ብዝተጻወቶ ተራ፡ካብ መዝነቱ ብገዛእ ፍቓዱ ከም ዝወርድ ሎሚ ዓርቢ ኣፍሊጡ። ኣጻራዪ ኮሚተ “ናይ ረብሓ ምግጫው ነይሩዎ” ብምባሉ’ዩ እቲ ኣቦ-መንበር ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ዝተገደደ። ሻርፕ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ጎልድማን ሳክስ ዝተባህለ ትካል ወፍሪ ፋይናንስ ሰራሕተኛ ዝነበረ ኰይኑ፡ ንቦሪስ ጆንሰን፡ ካብቲ ባንክ፡ ሓደ ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ንምርካብ ከም ዝሓገዞ እቲ ኮሚተ ኣብ ዝገበሮ ምጽራይ ኣመልኪቱ።

ሻርፕ፡ ብመሪሕነት ቦሪስ ጆንሰን ንመዝነት ቢቢሲ ዝተረከበ ኰይኑ፡ ኣብ እዋኑ፡ ነቲ ዝጸንሖ ናይ ስራሕ ዝምድና ተጠቒሙ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ልቓሕ ክረክብ ከም ዝሓገዞን ናይ ረብሓ ምግጫው ከም ዘለዎ ኣብ እዋኑ ኣይጠቐሰን ብምባል እቲ ኮሚተ ጸብጺቡ።

ሪቻርድ ሻርፕ፡ ንቦሪስ ጆንሶን ምስቲ ባንክ ከም ዘራኸቦ’ኳ እንተ ገለጸ፡ ነቲ ልቓሕ ንምርካብ ጽልዋ ከም ዘየነበሮ’ዩ ኣመልኪቱ። እንተዀነ፡ ቢቢሲ ዘይሻራዊ ኰይኑ ስራሑ ንምቕጻል፡ ካብ መዝነቱ ክወርድ ምውሳኑ ኣፍሊጡ። ተካኢ ክሳብ ዝርከብ ግን ክሳብ ወርሒ ሰነ ኣብ ስራሑ ክጸንሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ምስ ጉዳይ ናይ ስፖርት ጋዜጠኛ ጋሪ ሊንከር ድሕሪ ዝነበሮ ምስሕሓብ፡ ንወድዓውነት እቲ መራኸቢ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱን ፖለቲካዊ ጸግዒ ወሲዱን ዝብል ነቕፌታ ክወርዶ ጸኒሑ’ዩ ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ።

XS
SM
MD
LG