ዋሽንግተን —
ኣብ ናይ ሶማል ከተማ ቦሳሶ ንሓደ ሰብ ዝቐተለን ፖሊስ ሓዊሱ ንኻልኦት ክልተ ሰባት ዘቑሰለን ናይ ትማሊ ሶሉስ መጥቓዕቲ ዳዕሽ ሓላፍነት ወሲዱ።
ሽጉጥ ዝተዓጠቑ ክልተ ናዕበኛታት ናብ ሓደ እንዳ ቡን ኣትዮም ኣብ ውሽጢ ንዝነበረ ፖሊስ ቶኪሶም ከምዘቑሰሉዎምን ንወናኒ እቲ እንዳ ቡን ብምቕታል ንካልእ ስቪል ከምዘቑሰሉ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ባሪ ኮሎኔል ዓብዲሓኪም ዩሱፍ ሑሴን ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ምህዳሞም ብምግላፅ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ፃዕሪ ይካየድ ምህላው ሓቢሮም።