ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ኢትዮጵያ መገሻ ክፍፅሙ'ዮም!


ፕረዚደንት በራክ ኦባማ
ፕረዚደንት በራክ ኦባማ

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ዝመፅእ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ መገሻ ክፍፅሙ’ዮም።

እዚ ማለት፣ሓደ መራሒ ኣሜሪካ ኣብ ስልጣን ከሎ ኣብ ኢትዮጵያ መገሻ ዝፈፀመ ኣሜሪካዊ መራሒ ፕረዚደንት ኦባማ ክኾኑ’ዮም።

ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ኣዲሳበባ ኣብ ዝፀንሑሉ እዋን ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ከምኡውን ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ክዘራረቡ መደብ ኣለዎም።

ብመሰረት ፕረዚደንታዊ ቤት ፅሕፈት ኣሜሪካ(ዋይት-ሃውስ) ዝዘርገሖ ዜና፣ከም’ቲ ኣቀዲሙ ዝተገልፀ ፕረዚደንት ኦባማ ቅድሚ ኣዲሳበባ ኣብ ኬንያ ክበፅሑ’ዮም።

ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኦባማ፣ኣብ’ቲ ኢትዮጵያ ተተኣናግዶ ዋዕላ ዕድል ንግዲን ስራሕን (ኢንተርፕረንሽፕ) ክሳተፉ’ዮም።እቲ ዋዕላ፣እጀታ ንዘለዎም ዓለም-ለኻዊ ትካላትን ማሕበራትን ከራኽብን ኣብ ዙርያ ዓለም ንኩነታት መነባብሮ ከማሕይሽን’ዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ወሃቢ-ቃል ዋይት-ሃውስ ጃሽ ኤርነስት፣ዕላማ መገሻ ፕረዚደንት ኦባማ ናብ ኢትዮጵያ ‘ንቁጠባዊ ምዕባለ ምጥንኻር፣ንዲሞክራሲያዊ ትካላት ምሕያልን ፀጥታ ንምምሕያሽን’ዩ’ ኢሉ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ መገሸኦም ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኣልዒሎም ንክዘራረቡሉ ሁማን ራይት ዋች ፀዊዑ።

XS
SM
MD
LG