ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ንተማሃሮ ዩኒቨርስቲ የሩሳሌም ዘስምዕዎ መደረ


BARACK OBAMA
BARACK OBAMA
ሓቀኛ ፀጥታ እስራኤል ንምርግጋፅ እንኮ መንገዲ፣ሰላም ምስ ፍልስጤማውያን ምምፃእ‘ዩ ዝበሉ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣እስራኤል ኣብ ምምካት ፀጥታዊ ሻቅሎት በይና ኣይኮነትን ኢሎም መረጋገፂ ሂቦም ንመናእሰይ እስራኤል።

ንሶም ሎሚ ሓሙስ ንተማሃሮ ዩኒቨርስቲ የሩሳሌም ኣብ ዘስምዕዎ ነዊሕ መደረ፣ኣይሁዳውያን ኣብ ገዛእ መርየቶም ንዘካየድዎ ታሪኻዊ ጉዕዞ ብምጉላህ፣እሴት ኣይሁዳውያን እሴት ኣሜሪካውያን‘ውን’ዩ ኢሎም።

ንመፃኢ ኩነታት እስራኤል ከምመጠን ዝግደስ ሰብ ኢሎም ንሶም፣ ቀፃልነት ኣይሁዳዊትን ዴሞክራስያዊትን ሃገር ክዕቀብ ዝኽእል፣ምስ ናፃን ነባሪትን ፍልስጤማዊት ሃገር ምስ ትምስረት‘ዩ ኢሎም።

መራሕቲ እስራኤል፣ኣብ‘ቲ ፍልስጤማውያን መርየትና‘ዩ ኢሎም ዝኣምንሉ ስፍራ፣ንፕሮግራም ሰፈራ ምቅፃል፣ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ክፈልጡ ይግባእ‘ውን ኢሎም ፕረዚደንት ኦባማ።

ክልቲኦም ወገናት፣ኩሎም ኣፈላላያት ክሳብ ዝፍትሑ፣ቀጥታዊ ልዝብ ምክያድ ኣየድልን ዝብል መርገፂ ኣለዎም እንተኾይኑ፣ልዝብ ትርጉም የብሉን ኢሎም።
XS
SM
MD
LG