ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ንካልኣይ ዘበን ስልጣኖም ብወግዒ ጀሚሮም


በራክን ሚሸልን ኦባማ
በራክን ሚሸልን ኦባማ
ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ትማሊ ሰንበትን ሎሚ ሶኒይን ቃለ-መሓላ ፈፂሞም ካልኣይ ናይ ኣርባዕተ ዓመት እዋን ስልጣን ጀሚሮም።ምክትሎም ሚስተር ጆ ባይደን‘ውን ንቃለ-መሓላ ፈፂሞም‘ዮም ትማሊ።

ፕረዚደንት ኦባማ፣ኣብ‘ቲ ፍርቂ ሰዓት ዝወደአ ስነ-ስርዓት‘ዮም ንቃለ-መሓላ ፈፂሞም።ኣብ ፕረዚደንታዊ ቤት ፅሕፈት(ዋይት ሃውስ)።

ባዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ሚሸል፣ደቆም ማልያን ሳሻን ከምኡውን ሒደት ጋዜጠኛታት ተዓዘብቲ ኣብ ዝነበሩሉ ስነ-ስርዓት ዋና ዳኛ ፈዴራላዊ ቤት ፍርዲ ጆን ሮበርትስ፣ነቲ መሓላ መሪሖምዎ።

ብድሕሪ‘ቲ ስነ-ስርዓት፣ፕረዚደንት ኦባማ ንዳኛ ሮበርትስ ድሕሪ ምጭባጦም፣ንባዓልቲ-ቤቶምን ንደቆምን ስዒሞም፣ታሕጓሶም ገሊፆም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ምክትል ፕረዚደንት ጆ ባይደን‘ውን ዳኛ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ሶንያ ሶቶማየር ኣብ ዝመርሐኦ ስነ-ስርዓት ንቃለ-መሓላ ፈፂሞም‘ለው ትማሊ ሰንበት።

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ሎሚ ሶኒ ኣብ ቅድሚ ኣማኢት ኣሻሓት ተዓዘብቲ ቃለ-መሓላ ፈፂሞም’ለው።

ህዝቢ ናብ‘ቲ ኣደባባይ ካብ ኣጋወጋሕታ ጀሚሩ‘ዩ ምውሓዝ ጀሚሩ።ኣዝዩ ቆራር ንጉሆ‘ውን ነይሩ።ክሳብ ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ህዝቢ ነቲ ኣደባባይ ዓብለቅለቅ ኣቢልዎ ነይሩ ዝብል ግምት ኣለዎም ሰበ-ስልጣን።

ፕረዚደንት ንካልኣይ ዘመን ስልጣኖም ዝቅበሉ ዘለው፣ተስፋ ጥርጣረን ሕውስዋስ ስምዒት ኣብ ህዝቢ ኣብ ዝፈጠሩሉ እዋን‘ዩ።

መራሕቲ‘ዛ ሃገር ፖለቲካዊ ኣረኣእየኦም ንጎኒ ገዲፎም ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ንፋይናንሳዊ ፀገማት‘ዛ ሃገር ኣብ ምፍታሕን ከተኩሩ ድልየት ኣሜሪካውያን‘ዩ።
XS
SM
MD
LG