ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኦባማ ንህዝቢ ቦስቶን ኣፀናኒዖም


Barack Obama
Barack Obama
ኣብ ኣሜሪካ ይራኣይ ዘሎ ሃገራዊ ትብዓት፣ነቶም ኣብ ቦስቶን ዝሓለፈ ሶኒ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ፈፂሞም ቅትለት ዘስዓቡ ፈጠርቲ ራዕዲ፣እቲ ዝዓበየ ተግሳፅ‘ዩ ኢሎም ፕረዚደንት በራክ ኦባማ።

ኣብ ሃይማኖታት ዘዳለውዎ መድረኽ ተረኺቦም ዝመደሩ እቶም ፕረዚደንት፣ቦስቶን ንኣሜሪካውያን ንቅድሚት ክምርሹን ክፃወሩን ኣዘኻኺራ‘ላ ኢሎም።

“ንጊዚኡ ተሰናኺልና ክንኮን ንኽእል።እንተኾነ ብድግ ኢልና ጉዕዞና ክንቅፅለሉ ኢና።ነቲ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ክንዛዝሞ ኢና” ኢሎም ንሶም።

እቶም ፕረዚደንት ኣብ መደረኦም፣ኣምላኽ ንሕዙናት ከፀናንዖም ለሚኖም፣ ፈፀምቲ‘ቲ መጥቃዕቲ ድማ ክንፋረደኩም ኢና ኢሎም።

ፕረዚደንታዊ ቤት ፅሕፈት ብወገኑ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣ፕረዚደንት ኦባማ ምስ ስድራ-ቤት ግዳያት‘ቲ ቦምባዊ መጥቃዕቲ ክራኸቡ‘ዮም።

ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ፣ንፈፀምቲ‘ቲ ጥቅዓት ንምልላይ ዝተጀመረ ፃዕሪ ቀፂሉ‘ሎ ኢሎም‘ለው።
XS
SM
MD
LG