ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ብዘይተለምደ ኣገባብ ናብ ፕሬዝዳንታዊ ወፍሪ ዩናይትድ ስቴትስ ብምጥሓል ንዶናልድ ትራምፕ ብትሪ ነቒፎምዎም


ፕሬዝዳንት ኦባማ ብዛዕባ ናይ ኦርላንዶ መቕተልቲ ምስ ኣማኸርቲ ሃገራዊ ፀጥታ ድሕሪ ምርኻቦም ኣብዝሃብዎ ሪኢቶ ኣንፃር እምነት ምስልምና ኲናት ገጢምና’ለና ዝዓይነቱ ንኩሎም ሙስሊማት ኣብ ዝልክም መፃወዲያ ዶናልድ ትራምፕ እንተድኣ ኣቲና ንቶም ኣሸበርቲ ዝጠቅም ናይ ኣሸብርቲ ስራሕ ኢና ንሰርሕ ዘለና ኢሎም።


ትራምፕ ብቕድሚ ትማሊ ሰኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ፖሊስታት ምምሕዳር ኦባማን ሂላሪ ክልንቴንን ንኣሸበርቲ ሓጊዙዎም እዩ ክብሉ ንዘስምዕዎ መደረ እዩ ናይ ፕሬዝዳንት ኦባማ ሪኢቶ።


ከምዚ ዝበለ መደረ ሓደገኛን ዩናይትድ ስቴትስ ደገፍ ለዘብተኛታት ሙስሊም ንምርካብ እትገብሮም ፃዕርታት ዝጎደእን እዩ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:07 0:00

Recommended

XS
SM
MD
LG