ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ስትራቴጂ ነበር ስቲቭ ባኖን ንፕረዚደንት ትራምፕ ዘለዎም ደገፍ ከምዝቕጽሉ ሓቢሮም


ሓላፊ ስትራቴጂ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራሞፕ ነበር ስቲቭ ባኖን ብዛዕባ ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራሞፕ ኣብ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ንዝሃብዎ ርእይቶ ካብ ዋይት ሃውስ ተሪር ነቐፌታ ድሕሪ ምርኻቦም “ኣብ መንጎናን ፕረዚደንት ትራምፕን ኣጀንድኦምን ዝመጽእ ነገር የለን” ኢሎም።

“ፋየር ኣንድ ፉሪ” ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ምምሕዳር ትራምፕ ዝወጸ መጽሓፍ ዝሰፈረ ርእይቶ ሓላፊ ስትራቴጂ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝነበሩ ስቴፈን ባኖን ኣብ እዋን ምርጫ 2016 ወዲ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ሰበ ስልጣን ሩስያ ምርኻቡ “ዘይሃገራዊን ናይ ክህደት ገበን ፈጺሙ’ዩ” ኢሎም ከምዝሓስቡ ጠቒሱ’ሎ። ጠበቓ ፕረዚደንት ትራምፕ ጸሓፊን ዘርጋሒን እቲ መጽሓፍ “ ካልእ ህትመት ካብ ምዝርጋሕን ምውጻእን ደው ክብሉ” ሓቲቶም ኣለው።

ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ጸሓፊት ጉዳያት ፕረስ ሳራ ሃከቢ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ግብረ መልሲ ፕረዚደንት ትራምፕ ተሓቲተን ከምዚ ክብላ መልሲ ሂበን።

“ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ፕረዚደንትን ስድራቤቱን ከምዚ ዝበለ ጽዩፍን ምሉእ ንምሉእ ሓሶት ዝኾነ ክሲ ብምቕራቡ ነዲሮም ወይ ክቱር ጽልኢ ሓዲርዎም ብልክዕ ክገልጾ ይኸውን” ኢለን።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ስቲቨን ባኖን ምስኦም ኮነ ምስ መሪሕነቶም ጉዳይ ከምዘይብሉ ብምግላጽ “ባኖን ካብ መዝነቶም ምስ ተባረሩ ስርሖም ጥራይ ዘይኾነ ኣእምሮኦም’ውን ስኢኖም እዮም” ኢሎም።

ስቲቨን ባኖን ካብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ዋስ ምስ ወጽኡ እሙን ደጋፊ ፕረዚደንት ትራምፕ ኮይኖም እንተቐጸሉ’ኳ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ግን ንናይ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣጀንዳ ዘካይዱ ሪፖብሊካዊያን ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ክምረጹ ዘካየድዎ ጻዕሪ ግን ከምዘይተዓወተ ይፍለጥ።

ዋይት ሃውስ ብተወሳኺ ኣብ መጽሓፍ “ፋየር ኣንድ ፉሪ” ንዝቐረቡ ጉዳያት “ ኣብ ዋይትሃውስ ፍልጠት ኮነ ጽልዋ ካብ ዘይብሎም ውልቀሰባት ዝተዋህበ ሓሶትን ትኽኽል ዘይኾነ ሓበሬታ” ክብል እንተገለጾ እኳ ጸሓፊት ጉዳያት ፕረስ ዋይት ሃውስ ግን ጸሓፊ እቲ መጽሓፍ ፕረዚደንት ትራምፕ ፕረዚደንት ካብ ዝኾኑ ንደሓር ኣብ ገለ አጋጣሚታት ኣብ ዋይት ሃውስ ተረኺቦም ከምዝፍልጡ ገሊጻ’ላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG