ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ንአቶ ተገኘወርቅ ጌቱ አማሓዳሪ ፕሮግራም ልምዓት ሕ/ሃ ጌይሮም መዚዦሞም


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ-ሙን ንኢትዮጵያዊ ተገኘወርቅ ጌጡ ተሓባባሪ ኣማሓዳሪ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት መንግስታት /UNDP/ ገይሮም ሸይመምዎም።

ኣቶ ተገኘወርቅ ነቲ ሓላፍነት ካብ ሜክሲካዊት ማሪያ ኡጌኒያ ኬሳር ተረኪቦም።

ኣቶ ተገኘወርቅ ጌጡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታትን ኣካልት ሕቡራት መንግስታት ከገልግሉ ዝጸንሑ ምዃኖም ዝወጸ መግለጺ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ይሕብር።

ኣብ 1952 ኣ/ፈ ዝተወልዱ ኣቶ ተገኘወርቅ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተን እዮም።

XS
SM
MD
LG