ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ክዳውንቲ ባንግላደሽ፡ 56% ወሰኽ ደሞዝ ይነጽጉ


ደቡብ ኤስያዊት ሃገረ ባንግላደሽ፡ ዝተሓተ ክፍሊት ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ክዳውንቲ ብ56.25% ደኣ ይወሰኽ እምበር፡ እቲ መጠን ወሰኽ ግን ብማሕበር ሰራሕተኛታት ንእለቱ ተነጺጉ ኣሎ።

ኣብ ባንግላደሽ፡ መብዛሕትአን ደቀንስትዮ ዝዀና፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ዜጋታት ኣብ ፋብሪካ ክዳውነቲ ከም ዝሰርሓ ይፍለጥ። ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣዝዩ ህቡብ ዝዀነ ክዳውንቲ ከም ዛራ፡ H&M፡ ሊቫይን ካልእን ኣብተን ኣብ ባንግላደሽ ማእከል ዘለወን ኣስታት 3,500 ፋብሪካታት ክዳውንቲ ይፈሪ። ክፍሊት ናይቶም ሰራሕተኛታት ኣዝዩ ትሑት (ክሳብ 75 ዶላር ንወርሒ) ኰይኑ፡ እተን ፋብሪካታት ልዕሊ 55 ቢልዮን ኣታዊ ከም ዝገብራ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣስፊሩ'ሎ።

ንወሰኽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት እዘን ፋብሪካታት ኣመልኪቱ ንነዊሕ ዝቐጸለ ሰላማዊ ሰልፍታት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ። ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዝበጽሑ ሰራሕተኛታት ነቲ ዝበሉዎ ከቢድ ወጽዓን ትሑት ክፍሊትን ብምቅዋም ስራሓቶም ደው ኣቢሎም ኣለዉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣስታት 600 ፋብሪካታት ፍርያተን ደው ከም ዘበላ ተፈሊጡ። እቶም ኣድማ ዝግበሩ ሰራሕተኛታት ንቐንዲ ጽርግያታት በበይኑ ከተማታት ክዓጽዉ ተራእዮም ኣለዉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ገሊኡ ቦታታት እቲ ኣድማ ጎነጽ ዝተሓወሶ’ዩ። ድሮ ኣርባዕተ ፋብሪካታት ክዳውነቲ ተቓጺለን፡ ክልተ ሰባት’ውን ሞይቶም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG