ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሞቃዲሾ መገሻ ዝፈፀሙ ዋና ፀሓፊ ሕ/መ ፀብፃብ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣቅሪቦም


ተወሳኺ ሰራዊት ናብ ሶማልያ ክዋፈር ፀዊዖም

ናይ ሞቃዲሾ መገሸኦም ድሕሪ ምዝዛሞም ተመሊሶም ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ፀብፃብ ዘቅረቡ ዋና ፀሓፊ ሕ/መ ባንኪ ሙን፣ጉጅለ ምልሻታት ኣል-ሸባብ ካብ ሞቃዲሾ ምርሓቁ ነታ ሃገር ንምርግጋእ ፅቡቅ ኣጋጣሚ ፈጢሩ‘ሎ ኢሎም።ብዘይካ‘ዚ፣ነቶም ዝተረኽቡ ወትሃደራዊ ዓወታት ንምዕቃብ ተወሳኺ ሰራዊት ምውፋር ኣድላዪ‘ዩ ይብሉ።

ሃንደበታዊ መገሻ ባን ኪሙን ኣብ ሞቃዲሾ፣ድሕሪ 18 ዓመታት ብዋና ፀሓፊ ሕ/መ ንፈለማ ጊዜ ዝተፈፀመ መገሻ‘ዩ።ንትርጉሙ ኣመልኪቶም ክዛረቡ ከለው ”ነቲ መገሻ ንምፍፃም ምኽኣለይ ንባዕሉ፣ምልክት ምሕዩሽ ፀጥታዊ ኩነታትን ከምኡውን ሕ/መ ንሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ዝመደቦ ፀጋታት ክሳዕ ክንደይ ውፅኢታዊ ምኻኑ ዘርኢ‘ዩ” ኢሎም።

ሳላ ሓገዝ ትሻዓተ ሽሕ ወትሃደራት ኡጋንዳን ቡሩንዲን ሙሉእ ሞቃዲሾ ኣብ ትሕቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ‘ዩ ዘሎ ይብሉ እቶም ዋና ፀሓፊ።

ኣል-ሸባብ ካብ ሞቃዲሾ ምርሓቁ ዝጠቀሱ ሚስተር ባን ኪሙን፣እቲ እስላማዊ ጉጅለ ምልሻታት፣ሓገዝ ሰራዊት ኢትዮዽያን ኬንያን ይኸስብ ብዘሎ ሰራዊት መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ፀቅጢ‘ዩ ኢሎም።

ይኹን‘ምበር፣በዞም ሓይልታት ዝተመዝገበ ወትሃደራዊ ዓወታት፣ስግር ሞቃዲሾ ክበፅሕ ኣለዎ ይብሉ።

ባንኪ ሙን “እዚ ማለት ኣሚሶም ናብ‘ቲ ዝተመደበሉ 12 ሽሕ ሰራዊት ክበፅሕ ኣለዎ ማለት‘ዩ።ብዘይካ‘ዚ ከም ነፈርቲ ውግእ፣ሄሊኮፕተራትን ወትሃደራዊ ኣፅዋርን ክምደብ ኣለዎ” ባሃላይ‘ዮም።

ዋና ፀሓፊ ሕ/መ ሚስተር ባንኪ ሙን፣ን15 ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣እቲ ወትሃደራዊ ስትራተጂ ኣብ መላእ ሶማልያ ክዕወት እንተኾይኑ፣በዝሒ ዝዋፈሩ ወትሃደራት ካብ‘ቲ ዝተባሃለ 12 ሽሕ ወትሃደራት ክዓቢ ይግባእ ኢሎም።

“ብወትሃደራዊ መዳይ፣ቁፅሪ ሓደስቲ ወትሃደራት ምውሳኽን ኣሚሶም ምሕያልን ኣገዳሲ‘ዩ።ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ገምጊምና ናብ‘ዚ ቤት ምኽሪ‘ዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ከቅርብ‘ውን ኢሎም ባንኪ ሙን።

ሚስተር ባን ኪሙን ኣብ‘ቲ ዞባ ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን፣ነቲ ፍርቂ ሚልዮን ስዱዳት ዘተኣናግድ ማእከል ስደተኛታት ዳዳብ በፂሖም‘ዮም።ፍርቆም‘ቶም ስደተኛታት፣ብጠንቂ ፀገም ፀጥታን ደርቂን‘ዮም ተሰዲዶም።

እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ዘረበኦም፣ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝተረኽበ ደገፍ ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ካብ ሞት ኣድሒንዎም‘ዩ ምስ በሉ፣ገለ ክፋል ደቡባዊ ሶማልያ ካብ ድርኲኺት ጥምየት ወፂኡ‘ሎ ኢሎም።እንተኾነ ሚልዮናት ሰባት ሎሚ‘ውን ሓደጋ ጥምየት ከምዘንፀላለዎም ጠቂሶም።

XS
SM
MD
LG