ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንፕረ. ዩጋንዳ ብምጽራፋ ዝተኣስረት ተመራማሪት ተፈቲሓ


ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ማለት ኣብ ፌስቡክንናይ ኡጋንዳ ፕረዝደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ ጸሪፋ ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኣሰረት ናይ ዩኒቨርስቲ ተመራማሪት ሎሚ ረቡዕ ብዋሕስ ተፈቲሓ።

ብመደረታታ ትፍለጥ ስቴላ ያንዚ ሎሚ ረቡዕ ናብ ቤት ፍርዲ ብሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ተደጊፋ እያ ቐሪባ ። ዳኛ ጄምስ ኤረሚየ ተኸሳሲት ብ10 ሚሊዮን ሽልንጊ ዋሕስ ክትፍታሕ ምውሳኖም ድማ ገሊጾም።

ስቴላ ያንዚ: ፕረዝደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ መንዲል ንጽህና ንምቕራብ ኣብ እዋን ወፍሪ ምረጹኒ ንዝኣተውዎ መጽብዓ ከኽብሩ ናይ ኦንላይን ወፍሪ ዝጀመረት’ውን እያ።

ናይ ያንዚ ጠበቓ ዝኾኑ በዓልሞያ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ኒኮላስ ኦፒዮ: ብሓያል ዛሕሊ ዝልዓል ሕማም ቁሪን ዓሶን ከምዝሓመመት ብምግላጽ: ዳኛ ብዋሕስ ንክትወጽእ ብምፍቃዶም ዕግበቶም ገሊጾም።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሎሚ ኣብዘውጽኦ መግለጺ: ኣብ ልዕሊ ያንዚ ዝቐረቡ ክስታት ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ንምግሃስ ዝግበር መስሓቒ ጻዕሪ እዩ፤ኩሎም ክስታት ድማ ውዱቓት ክኾኑ ኣለዎም ኢሉዎ’ሎ።

ስቴላ ያንዚ 25 ግንቦት 2017 ዓ.ም ናብ ቤት ፍርዲ ክትቐርብ ትጽቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG