ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝተፈፀመ መቕተልቲ ምስ ብሄር ዘተኣሳስሮ ነገር የለን ኢሉ ፖሊስ።መንግስቲ ንዝተጎድኡ ስድራታት ካሕሳ ንምሃብ መፅናዕቲ እናካየደ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።እቲ ቐታሊ ተዓጢቑ ክውፅእን ክቐትልን ከሎ ጠጠው ኣየበልዎን ዝተብሃሉ 22 ኣባልት ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም’ውን ተረጋጊፁ።
ኣብ ከተማ ባህር ዳር ንህይወት ብዙሓት ሰባት ዘጥፍአ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ኮንስታብል ፈቃዱ ናሻ ተግባር መቕተልቲ ንልዕሊ ሓደ ስዓት ከምዝፀንሐ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፖልሲ ክልል ኣምሓራ ምኽትል ኮማንደር ዋለልኝ ዳኘው ገሊፆም።
እቲ ተግባር ዝተፈፀመ ምሽተ ስለዝነበረን እቲ ከባቢ ዱር ስለዝኾነን ነቲ ገበነኛ ንምቁፅፃር ከቢድ ከምዝገበሮ ኮማንደር ዋለልኝ ይገልፁ።
መብዛሕቲኦም ኣባላት ፖሊስ መጀመርታ እቲ ገበን ንዝተፈፀመሉ ከባቢ ኸቢቦም ስለዝነበሩን ንሱ ድማ ስለዘምለጠን ፊት ንፊት ንዝረኸቦም ሰባት ይወቅዕ ነይሩ ኢሎም።
ኣብ መኽዘን ኣትዩ ብረት ክዕጠቕ ከሎ ዝቆፃፀር ኣሰራርሓዶ ኣይነበረን ንዝብል ሕቶ ምኽትል ኮማንደር ዋልለኝ።’’ኣሎ።ናይ ብሓቂ እቲ ሓደ ከም ጥፍኣት ተግይሩ ዝውሰድ ዘሎ እዚ እዩ።ሓደ ኣባል ፖሊስ ካብ ስራሕ ወፃኢ ብረት ተዓጢቑ ኣብ ከተማ ክንቀሳቐስ የብሉን።ከምዚ ክገብር ከሎ ተኸታቲሎም ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ዘይወሰዱ ኣባልት ኣመራርሓ ፖሊስ ስጉምቲ እናተወሰደ ይርከብ።’’
ክሳብ ሎሚ 22 ኣባልት ፖሊስ ፌደራልን ክልልን ከምኡ’ውን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሓይልታት ፀጥታን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ጉዳዮም እናተፃረየ ከምዝርከብ ወሲኾም ሓቢሮም።
እቲ ተግባር ምስ ናይ ብሄር ፍሊሊ ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝውረ ግን ‘’ተራ ወረያ ወረ እዩ’’ ኢሎም።እዚ ውልቀሰብ እዚ ከም ውልቀሰብ እምበር ንዝኾነ ይኹን ብሄር ዝውክል ኣይኮነን ኢሎም።
ነቲ ጭፍጨፋ ንምንታይ ከምዝፈፀሞ ንምፍላጥ ንሱ ብህይወት ክህሊ ነይሩዎ ዝበሉ እቶም ምኽትል ኮምናደር እንተኾነ ግን ንመንነት እቲ ፖሊስ ብዝርዝር ብምፅናዕ ከም ትካል ክምሃረሉ ከምዝኽእል እውን ሓቢሮም።ናይ ፌደራልን ናይ ክልልን ናይ ሓባር መርማሪ ጉጅለ እውን ተጣይሹ’ሎ ኢሎም።
ብዝበፅሐ ሓደጋ ህይወቶም ንዝስኣኑ ኣባላት ስድራ ናይ ገንዘብ ካሕሳ ንምሃብ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ’ውን ወሲኾም ሓቢሮም።
ቁፅሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ክሳብ 25 ከምዝበፅሕ ህይወቶም ናይ ዝስኣኑ ገለ ኣባላት ስድራ ይግምቱ።ምኽትል ኮማንደር ዋለልኝ ከምዘረጋገፅዎ ግን ነቲ ቐታሊ ሓዊሱ ናይ ዝሞቱ በዝሒ 13 ሰባት ጥራሕ እዮም።
ፍቕረኛ ዓርኪ እቲ ቐታሊ ዝነበረት ውልቀሰብ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ከም እትርከብ ኣረጋጊፆም።