ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ባህርዳር ዩኒቨርሲቲ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ተማሃሮን ምምሕዳርን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ኣገልግሎት መግብን መደቀሲን ተቋሪጹ


ኣብ መንጎ ሳልሳይ ዓመት ተማሃሮ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ዩኒቨርስቲ ባህርዳርን ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲትን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ናይ መደቀሲን መግብን ኣግልግሎታት ከምዝተቛረፀ ተፈሊጡ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ተማሃሮ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ሳልሳይ ዓመት ትምህርቶም ዝወድኡ ናይ ራብዓይ ዓመት ትምህርቶም ቅድሚ ምክትታሎም ናብ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪታት ተዋፊሮም ተግባራዊ ተሞክሮ ክውስዱ ነይሩዎም።

ቅድሚ ሎሚ መሰረታዊ ናይ ምህንድስና ፍልጠት ምሓዞም ንምርግጋፅ እቲ ዩኒቨርስቲ ዝህቦ ፈተና ከምዘሎ ፕረዝዳንት’ቲ ዩኒቨርስቲ ዶ/ር ባይሌ ዳምጤ ድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።እቶም ተማሃሮ ፈተና ኣይንወስድን እንተድኣ ኢሎም እቲ ዩኒቨርሲቲ ክውስዶ ኣለዎ ዝበሉዎም ስጉምቲ ከምዚ ክብሉ ይገልፁ።

“ኣብዚ ዩኒቨርሲቲ እዚ መግቢ ክነቕርብ፣መደቀሲ ክፍሊ ክንህብ ንኽእል ንተማሃራይን ተማሃራይ ክሰርሖ ንዝግባእ ክሰርሕ ንዝደልን ስለዝኾነ እቲ ዩኒቨርስቲ ነዚ ፀገም ዝፈትሐሉ ኣገባብ ብፍላይ ምስ ወለዲ ብምዝርራብ፤ምናልባሽ እውን ግዜ ክውሃብ ከሎ ንሳቶም ክሓስብሉ ይኽእሉ እዮም ካብ ዝብል ንግዚኡ ናብ ስድርኦም ክኸዱ ገይርና ኣለና።”

እቶም ተማሃሮ መግብን መደቀሲ ክፍሊን ስለዝተኸልከሉ ኣዚዮም ከምዝተፀገሙን ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት መግቢ እናለመኑ ከምዝተመገቡን ሽሞም ክግለፅ ዘይደለዩ ተማሃሮ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብዝተፈላለዩ ኣድባራት ከምዘተዓቖቡን ካብኡ እውን ብፖሊስ ይባረሩ ምህላዎም ወሲኾም ይገልፁ።

ገለ ተማሃሮ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ኣለው እንተተብሃለ እውን ካብ ነፃ ምንጪ ምርግጋፅ ኣይተኽኣለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG