ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ክልል ኦሮምያ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈናቐሉ ተመዛበልቲ ናይ ምምላስ ኣኼባ ተቓኒዑ


ከተማ ባህርዳር
ከተማ ባህርዳር

ኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት ብሰንኪ ግጭት ካብ ክልል ኦሮምያ ናብ ክልል ኣምሓራ ንዝተመዛበሉ ተፈናቐልቲ ናብ ዝነበሩሉ ከባቢ ንምምላስ ዘኽእል ኣኼባ ኣብ ባህርዳር ተሳሊጡ።

ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ላዕለዎት ሰበ- ስልጣን ተፈናቀልቲ፣ ናብ ሰላም ዘለዎ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ንምምላስ ከምዝስራሕ ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛን ናይ ክልል ኣምሓራ መዘነኦም ኣቶ ወንድወሰ ለገሰን ተፈናቀልቲ ናብ ሰላማዊ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ናይ ምምላስ ጻዕሪ ጽባሕ ረቡዕ ከምዝጅምር ሓቢሮም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG