ኣብ ክልል ኣምሓራ ን10 ኣዋርሕ ዝፀንሐ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ድሕሪ ምዝዛሙ ኣዋርሕ ፀኒሑ ካብ ሰንበት 19 ሰነ 2016 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝተፈላለዩ ክልከላታት ምንባሩ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ቤት ምኽሪ ፀጥታ እታ ከተማ ኣብቲ ጉዳይ ድሕሪ ምዝታይ ዝሓለፈ ውሳነ “ ሸለል ዘይበሃሉ ፀገማት ፀጥታ” ኣለዉ ድሕሪ ምባል ኣብ ምንቅስቃስ ሰብን ተሽከርከርትን ዝተፈላለዩ ክልከላታት ምንባሩ ኣፍሊጡ። ንምንቅስቃሳት ሰባት ሓዊሱ ናይ ውልቀን መንግስትን ከምኡ'ውን ናይ ፅዕነት መካይን ብኣቆፃፅራ እታ ሃገር ድሕሪ ሰዓት 3፡00 ናይ ምሸት ንኸይንቀሳቀስ ከምኡ'ውን ተሽከርከርቲ ባጃጅ ካብ ሰዓት 12፡00 ድሕሪ ቀትሪ ስጋብ ወጋሕታ ሰዓት 12፡00 ንኸይቀሳቀሳን ክልተ እግሪ ዘለወን ከም ሞተር ብሽክለታ ዝኣመሰላ ተሽከርከርቲ ድማ ንዘይተወሰነ እዋን ፈፂመን ከይንቀሳቀሳ ከልኪሉ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ስራሕ ካብ ዝተዋፈሩ ኣባላት ፀጥታን ናይ ፍቃድ መረዳእታ ዝተዋህቦምን ወፃኢ ካልኦት ውልቀሰባት ብረት ሒዞም ምንቅስቃስ ከምዘይከኣል ጠቂሱ።
ገለ ነበርቲ ምስቲ ዘሎ ዘይምርግጋእ እቲ ስጉምቲ ግቡእ ምዃኑ ክገልፁ ከለዉ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፓርቲ ኣብን ዝኾኑ ኣቶ ኣበባው ደስኣለው ግን “ተደጋጋሚ ክልከላ ነቲ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ኣይፈትሕን” ኢሎም።
ቅጥዒ