ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣዴን ህዝቢ ዘቕርቦም ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ ከምዝስርሓሉ ይገልጽ ተቓወምቲ ግን ኣይግድን ይብሉ


አቶ ደመቀ መኮንን
አቶ ደመቀ መኮንን

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ህዝቢ ዘቕርቦም ዘሎ ሕቶታት ደረጃ ብደረጃ ምላሽ ንምሃብ ከምዝስርሓሉ ኣቦመንበር ብኣዴን ኣቶ ድመቀ መኮነን ተዛሪቦም። ኣብ መሪሕነት ብኣዴን ምክፍፋል ኣሎ ዝብል ወረ `ውን ኣሉታ ሂቦምሉ። ምኽትል ፓርቲ ሓድነት ብወገኖም፡ ብኣዴን ምላሽ ክህብ ዝኽእል ብቕዓት ኣለዎ ኢሎም ከምዘይኣምኑ ተዛሪቦም።

ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ኣቦመንበር ምንቅስቓስ ብሄረ-ኣምሓራ ብኣዴንን ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያን `ዮም፡ ነዚ ኣብ ክሊ ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣመልኪቶም ንመንግስታዊ መዲያ ክዝረቡ ኸለዉ፡ ብኣዴን ኢህወደግ ብህዝቢ ንዝቐርቡ ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ ድልው`ኣሎ ኢሎም።

“ ክፍትሑ ቃል-ተኣቲዮም ግን ዝተደናጎዩ ጉዳያት ደረጃ ብደረጃ ክፍትሑ`ለዎም፡ ክፍትሑ ዘይክኣሉ ድማ ምኽንያቱ ንህዝቢ ብምግላጽ ክስራሕ`ዩ። ኣብ መርሒነት ዘለዉ`ውን ዝሕተትሉ ሕጊ ኣለና። ሓቢርና ዝተጎዓዝናሎም ክብርታት ግን ከይብርቦሩ ህዝቢ ክቃለሶም ይግባእ።”

እዚ ብኣቦመንበር ብኣዴን ዝተዋህበ ርእይቶ፡ ምስ ለንቅነ ተቓወምቲ ክሓትዎ ዝቐነዩ ተገጣጢሙ`ሎ። መንግስቲ ንህዝቢ ይስማዕ ሰለማዊ ፍታሕ ይድለ ዝብል ጻዊዒት ይርከቦ። ምኽትል ፕረሲደንት መኢኣድ ኣቶ ሙሉጌታ ኣበበ እቲ ብእቶ ደመቀ መኮነን ዝቐረበ መግለጺ ዝእመን ኣይኮነን ይብሉ።

“ ነቲ ጸገም ደረጃ ብደርጃ ክብሉ ኸለዉ ካበይ ከምዝጅምሩ` ኳ ግልጺ ኣይኮኑን፡ ብላዕሊ ድዮም ክጅምሩ ብታሕቲ ግልጺ ኣይኮኑን። ዝተባህለ ይብሃል፡ ህዝቢ ዝሓቶ ዘሎ፡ ናይ ወልቃይት ህዝቢ ናይ ኣምሓራ ናይ መንነት ሕቶ ይመለስ፡ መስለና ይከበር እናበለ`ዩ ዝሓትት ዘሎ። ነዚ ንምፍታሕ ግን እቲ ውድብ`ውን ብቕዓት የብሉን። ንምትሕብባል ዝግበር ዘረባ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ሰልችዎ`ዩ “

ብኻልእ ወገን፡ ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ መንጎ ብኣዴን ለንቅነ ኣብ ክሊ ኣምሓራ ኣብ ዝተራእየ ተቓውሞታት ምክፍፋል ኣሎ ብዛዕባ ዝተባህለ ዜና፡ ኣሉታ ሂቦምሉ`ለዉ።

“ ሓደ ሓደ ኣካላት ንዘደለይዎ ዕላማን ንምትግባር ንብኣዴን ካብ ህዝቢ ንምፍላይን ንረብሓኦም ንምውዓልን ብዙሕ ግዜ በለካ ለኽዓካ ወረ`ዩ። ካብ ሓቅነት ዝረሓቐ `ዩ። ኣብ`ዚ ጉዳይ`ዚ ፖሊት ቢሮስ ይትረፍ ማእከላይ ኮሚቴ`ውን ኣፈላላይ የብሉን። “

ኣፈላላይ ኣይተራየሎም ዝበልዎም ጉዳያት እንታይ ምዃኖም ግን እቶ ኣቦመንበር ብኣዴን ብዝርዝር ኣይገለጹን።

XS
SM
MD
LG