ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓጺር ድሕረ ባይታ  ንናይ ፕረዚደንት ትራምፕ ፈላማይ መደረ ምላሽ ዝህቡ ተወካሊ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ጆሴፍ ፓትሪክ ኬኔዲ


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ምሸት ንዘስምዕዎ ፈለማ መደረ ኹነተ ሃገር ወይ ስቴት ኦፍ ዩኔን ምላሽ ዝህቡ ወካሊ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ጆሴፍ ፓትሪክ ኬኔዲ ሳልሳይ እዩ። ወዲ 37 ዓመት ጆሴፍ ኬኔዲ ካብ ክፍለ ግዝኣት ማሳቹሰት ኮይኑ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ንሳልሳይ እዋን ዘገልግል ዘሎ እዮ።

ጆሴፍ ፓትሪክ ኬኔዲ ወዲ አባል ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዝነበሩ ጆሴፍ ፓትሪክ ኬኔዲ ካልኣይ፡ ወዲ ወዶም ንሰነተርን ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጂ ኣሜሪካ ሮበርት ኤፍ ኬኔዲ ከምኡ’ውን ወዲ ሓዊ ፕረዚደንት ጆን ኤፍ ኬኔዲን ሰነተር ኤድዋርድ ኬኔዲን እዩ።

ኣቐዲሙ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያትን ኮሚቴ ሳይንስን ህዋን ቴክኖሎጂን ኣገልጊሉ’ዩ።

ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቅድሚ ምምራጹ’ውን ኣብ ሪፖብሊክ ዶመኒካ ኣብ ፕሮግራማት ልምዓትን ጸረ ድኽነትን ኣባል ፒስ ኮርፕስ ኮይኑ ኣገግልጊሉ’ዩ።

ቀዳማይ ዲግሪ ካብ ስታንፎድን ካብ ሃርቨርድ ዩኒቨርሲቲ ድማ ብሕጊ ዝተመረቐ ኮይኑ ምሉእ ምልከት ቋንቋ ስጳኛ ኣለው።

ተወካሊ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ጆሴፍ ፓትሪክ ኬኔዲ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን እዩ።

XS
SM
MD
LG