ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝሓዝዎም ከባቢታት ኣላማጣ ከምዝወጹ ምውሳኑ ጊዝያዊ ምምሕዳር'ቲ ክልል ኣፍሊጡ

ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝሓዝዎም ከባቢታት ኣላማጣ ከምዝወጹ ምውሳኑ ጊዝያዊ ምምሕዳር'ቲ ክልል ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:20 0:00

ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝሓዝዎም ከባቢታት ኣላማጣ ከምዝወጹ ምውሳኑ ጊዝያዊ ምምሕዳር'ቲ ክልል ኣፍሊጡ

ሓይልታት ትግራይ ካብ ጋርጃለን በቅሎማነቅያን ዝተባህሉ ከባቢታት ኣላማጣ ንክወፁ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ምውሳኑ ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ኣይተ ጌታቸው ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፍ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምምላስ ተመዛበልቲ ንምቅልጣፍ እቲ ውሳነ ከምዝተወሰነ ሓቢሮም።

ኣካቢ ኮሚቴ ምምላስን መንነትን ራያ ወሎ ኣምሓራ ኣይተ ሃይሉ ኣበራ፤ ዕጡቓት ክልል ትግራይ ክወፅኡ ተወሲኑ ዝተባህለ "ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንምድንጋር እዩ" ብምባል "ሐዚ እውን ተወሰኽቲ ዕጡቓት ይኣትዉ ኣለዉ" ኢሎም።

ኣብ ከተማ ኣላማጣ ዝርከቡ ንድምፂ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ነበርቲ ድማ፤ ሓይልታት ፀጥታ ፌደራል ኣብታ ከተማ ከምዝርከቡ ብምግላፅ መንግስቲ ብቅልጡፍ ምምሕዳር ብምጥያስ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንክጅምር ሓቲቶም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG