ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝቢ ኣኽሱም ፀገም ዝስተ ማይ ሎሚ'ውን ኣይተፈትሐን ኢሉ የማርር


ዓብዪ ገንኢ ማይ
ዓብዪ ገንኢ ማይ

ነበርቲ ከተማ ኣክሱም ንዘበናት መፍትሒ ብዝሳኣንሉ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ንሳቐ ኣለና እንትብሉ ጥርዓን የስምዑ። ንድምፂ ኣሜርካ ርኢቶኦም ዝሃቡ ሰባት ከምዝብልዎ ብሰንኪ ስእነት ጽሩይ ዝስተ ማይ ብዙሓት ንሕማም ኩሊት ይቃልዑ ኣለዉ።

በኩረ ትጉሃን ኣምሳሉ ስቡሕ “ህዝቢ ኣክሱም ንዘበናት ዝኣክል ማይ ካብ ማይ ሹም ይረክብ ነይሩ። ማይ ሹም ምስ ተዘርገ ድማ ጎዳጉዲ ማይ ወላ እንተተኹዓቱ እቲ ማይ ጨውነት ስለዘለዎ ሰባት ብሕማም ኩሊት ይሳቐዩ ኣለዉ’’ ኢሎም።

ከንቲባ እታ ከተማ ድማ መንግስቲ እቲ ፀገም ምህላዉ ብዝግባእ ስለዝኣምን ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ ፃዕሪ ከምዝርከብ ይገልፅ። ከንቲባ ሓጎስ ”ነቲ ፀገም ንምቅላል መንግስቲ ብ55 ሚልዮን ቕርሺ ካብ ዓድዋ ናብ ኣክሱም 24 ኪሎ ሜትሮ መስመር ሻምባቆ ማይ ዘርጊሑ ማይ ካብ ግድብ ዓድዋ ክሳሓብ ይገብር ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ግልጋሎት ምሃብ ክጅምር እዩ’’ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG