መቐለ —
ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ፡ ንጉዳይ’ተን ንዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ካብ ትምህርቲ በዂረን ኣለዋ ዝበለን ተመሃሮ ኣኽሱም፡ እቲ ብኣብያተ-ትምህርቲ ዝተነብረ ክልከላ ተኣልዩ ብቕልጡፍ ናብ ትምህርተን ክምለሳ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ጸዊዑ። ካብ መንጎ’ተን በዂረን ከም ዘለዋ ዝተሓበራ 159 ተመሃሮ፡ ድምጺ ኣመሪካ ካብ ዘዘራረበን እቲ መምርሒ ሃንደበት ከም ዝጀመረ ይገልጻ። ኣብዚ ጉዳይ እስላማዊ ጉዳያት ኢትዮጵያውን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይን’ውን መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ።
ቅጥዒ