ባህርዳር —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ከተማ ቻግኒ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ተፈጢሩ'ዩ ብዝተባህለ ጎንጺ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝተቀትሉ ነበርቲን ሰበ-ስልጣንን'ታ ከተማ ኣፍሊጦም።
ንደሕንነቶም ብምስጋእ መንነቶም ከይግለጽ ዝሓተቱ ነበርቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 28 ግንቦት 2016፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ዞባ ብሄረሰብ ኣዊ ከተማ ቻግኒ ቀበሌ 01 ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተፈጥረ ጎንጺ'ቶም ሰባት ከምዝተቀትሉ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።
ተቃዋሚ ጉጅለ ብሄራዊ ሸንጎ ኣገው ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቶም ሰባት ዝተቀትሉ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ'ዩ ክብል ከሲሱ'ሎ።
ምምሕዳር'ታ ከተማ ብወገኑ ህይወት'ቶም ሰባት ዝጠፍአ ሰባት ጅሆ ንዝሓዙ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ንምእታው ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ ተጠርጠርቲ ተኹሲ ብምኽፋቶም'ዩ ክብል ነቲ ክሲ ኣሉታዊ ምላሽ ሂብሉ'ሎ።
ቅጥዒ