ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ብዘጋጠመ ህቦብላ ንፋስ 2 ሰባት ቆሲሎም


ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ- ፋይል
ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ- ፋይል

ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ትማሊ ብዘጋጠመ ህቦብላ ንፋስ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝርከብሉ ስፍራ ጉድኣት ምውራዱ ይግለጽ ኣሎ። በቲ ህቦብላ ንፋስ ዝወረደ ጉድኣት ከቢድ ኣይኮነን ዝበለ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፈደራል ኣቶ ጀላን ኣብዲ፡ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ሰባት ቅልል ዝበለ መቑሰልቲ ከም ዝወረደ፡ ሕክምና ጌሮም ድማ ናብ ስፍርኦም ከም ዝተመልሱ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ`ሎ። ቤት ማእሰርቲ ኣዋሽ ኣርባ ምስ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብዝተሓሓዝ ዝተኣስሩ ሰባት ዝርከብሉ ቤት ማእሰርቲ `ዩ። ኣባላት ስድራቤት እሱራት ድማ በቲ ሓደጋ እኹል ሓበረታ ከም ዘይብሎም ድሕሪ ምግላጽ ሻቕሎቶም ይውስኽ ከም ዘሎ ተዛሪቦም።

ካብ መንጎ`ቶም ምስ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብምትሕሓዝ ዝተኣስሩ ሰባት፡ ኣባላት ባይቶን ሰብ-ሞያ መራኸቢ ብዙሃንን ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ኣባል ባይቶ ኣቶ ክርስትያን ታደለ ወሲኽካ ቁጽሮም ብዕሊ ዘይፍለጥ ተጠርጠርቲ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ናብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ናይ ፈደራል መርመር ገበን ከም ዝተወስዱ ምጽብጻብና ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG