ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስድራቤት ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ተኣሲሮም ዘለው ሰባት ድሕነት እሱራት ከምዘሻቕሎም ይገልጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ብዝተኣሳሰር ኣብ ከባቢ ኣዋሽ ኣርባ ተኣሲሮም ዘለዉ ሰባት ድሕነቶም ከም ዘሻቐሎም ቤተሰቦምን ጠበቓታቶምን ገሊጾም።

መርማሪ ቦርድ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ፡ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እቶም እሱራት ብዝምልከት ጽኑዕ ክትትል ክገብር ከም ዝግባእ`ውን ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ካብቲ ቦርድ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን። እቶም ስድራቤታት እሱራት ስግኣቶም ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ(ኢሰመኮ) ምቕራቦም ዝገለጹ ክኾኑ ከለዉ፡ ኢሰመኮ ብወገኑ፡ ነቶም እሱራት ዳግም ክበጽሖም ጻዕሪ ይገብር ከም ዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

ካብ መንጎ`ቶም ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ተኣሲሮም ዘለዉ፡ ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝነበረ ክርስትያን ታደለን ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣቶ ዮሃንስ ባያለውን ይርከብዎም። ንሳቶም ምስ`ቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቐጸለ ግጭት ብዝተኣሳሰር ተጠርጢሮም ዝተታሕዙ ምዃኖም ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG