ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባህሪያት ምልካዊ መራሕቲ ጋዜጠኛታት ክፅልኡ ይገብር ኣሎ ተባሂሉ


Reporters Without Boardes-Logo
Reporters Without Boardes-Logo

ብመሰረት ሎማዕንቲ ሓሙስ ዝወፀ ፀብፃብ ብሰንኪ ባህሪያት ምልካዊ መራሕቲ ኣብ ዙሪያ ዓለም ንጋዜጠኛታት ኣትሕቲካ ምርኣይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝወሰኸ ገሊፁ።

ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ናይ 2019 ነፃነት ፕረስ ዓለም ኣብ ዘካየዶ መፅናዕቲ ‘’ውልቀ መለኽቲ ስርዓታት ንሚዲያ ብፅኑዕ ምቁፅፃሮም ብምቕፃል ጋዜጠኛታት ክፅልኡን ህውከትን ፍርሕን ክውስኽን ክኢሉ’ሎ ይብል።

ኣብዚ ዓመታዊ መዐቀኒ ደረጃ ነፃነት ፕረስ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሪፖርተራት ብቐፃልነት ብዝፍንውዎ መጠንቀቕታን ኣብ ልዕሊ ሚዲያ ዘቕንዐ ተዃሳሓይ ሪኢቶታዮምን ደረጃ ዩናይትድ ስቴትስ ንሳልሳይ ዓመት ወሪዱ’ሎ።

ዩናይትድ ስቴትስ መፅናዕቲ ካብዝተኻየደለን 180 ሃገራት ኣብ መበል 48 ተሰሪዓ’ላ።

ሃገራት ኣውሮፓ ናይ ቅድሚት ደረጃ ምሓዘን ቀፂለን ኣለዋ።ኖርዌይ ንተኸታታሊ ሳልሳይ ግዜ ቀዳመይቲ፣ፊንላንድ፣ስዊደን፣ዘ ኔዘርላንድስን ዴንማርክን ካብ ካልኣይ ክሳብ ሓምሻይ ተሰሪዐን ኣለዋ።ዩናይትድ ኪንግደም መበለ 33 ደረጃ።

መብዛሕቲአን ዝተሓተ ደረጃ ዝሓዛ ሃገራት ኢስያ እየን።ተርክመኒስታን ካብ 180 መበል 180፤ሰሜን ኮሪያ መበል 179፣ኤርትራ መበል 178፣ቻይና 177 ቬትናም ድማ መበል 176 ብምዃን ዝተሓተደ ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።ኢትዮጵያ ኣብ መበል 110 ተሰሪዓ’ላ።

XS
SM
MD
LG