ዋሽንግተን —
ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብቅልውላው መሪሕነት ክትሳቐ ዝጸንሐ ኣውስትሪያ፡ ሎሚ ሰኑይ ብቻንስለር ክርሲታን ስቶከር ዝምራሕ ናይ ጥምረት መንግስቲ ስራሑ ጀሚሩ።
ኣብታ ብሽቕለት ኣልቦነትን ዝቕባብን ኣዝያ ተጸልያ ዘላ ኣውስትሪያ፡ ሓድሽ መንግስቲ ንሰለስተ በበይኖም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዘጣመረ’ዩ። ጥምረት ዓቃባውያን፡ ማእከላይ ጸጋምውያንን ሊበራላውያንን ሓደ መንግስቲ ክምስርቱ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንፈለማ’ዩ።
ኣስታት ትሽዓተ ሚልዮን ኣብ ዝህባ ኣውስትሪያ፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝኸደ ስእነት ማእከላይ መንግስቲ፡ “ሰልፊ ናጽነት” ዝተሰምየ ሕሉፍ የማናዊ ፓርቲ ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ዓብላሊ መናብር ድሕሪ ምሓዙ: እቲ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣዝዩ ተሪር መርገጺ ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብ ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት’ውን ንምውጻእ ዝምጉት’ዩ።
ቅጥዒ