ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኣውስትራሊያ ብሞት ንግስቲ ኤልሳበጥ ካልኣይቲ መዓልቲ ሓዘን የኽብር: ደቀባት ተቓውሞኦም የስምዑ


ሎሚ ሓሙስ ኣውስትራሊያ ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልኣይቲ ሃገራዊ ሓዘን ኣብ ዝዘከረትሉ፡ ደቀባት እታ ሃገር ድማ ንሕማቕ ሓድጊ ንግስነት ዓዲ-እንግሊዝ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም። ኣውስትራሊያ ከም ኣባል ኪዳን ንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ መጠን ኣብ ካናበራ መዓልቲ ሓዘን ክትገብር እንከላ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዝ ድማ ነተን ንግስቲ ዝምጕስ ቃል ኣስሚዖም።

በዚ ዝተቖጥዑ ደቀባት እታ ሃገር ካብ ኪዳን ንግስነት ክትወጽእን መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዘውረዶ ኵልንትናዊ ዕንወት ክኽሕስን ጸዊዖም። ሰልፈኛታት ከም መርኣያ ተቓውሞኦም፡ ኣብ በበይነን ዓበይቲ ከተማታት ኣውስትራሊያ ባንዴራታት ኣውስትራሊያን ዓዲ-እንግሊዝን ከቃጽሉ ተራእዮም።

ኣካል ኪዳን ንግስነት ዓዲ-እንግሊዝ ዝዀነት ኣውስትራሊያ እታ ሃገር ኣብኡ ንምቕጻልን ንምውጻእን ዝምልከት ሃገራዊ ረፈረንዶም ኣብ 1999 ተኻዪዱ፡ ህዝቢ ንኽጸንሕ ኣድሚዱ።

ሕጂ ንመሰል ደቀባት ከኽብር ምዃኑ ዝመጻባዕ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልባነዝ ተመሳሳሊ ሃገራዊ ረፈረንዶም ኣብ 2025 ከካይድ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ይሕበር።

ንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ ካብ 1788 ኣትሒዙ ንኣውስትራሊያ ድሕሪ ምጉባጡን ኣብታ ሃገር ሰፈራታት ድሕሪ ምክያዱን ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዓቢ ዕንወት ከም ዘውረደ መዛግብቲ ታሪኽ የመልክቱ።

XS
SM
MD
LG