ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ምክልኻል ኣመሪካ ፈላማይ ዑደት ኣብ ኣፍሪቃ የካይዱ ኣለዉ


ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን
ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን

ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ንዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ድሕሪ ምብጻሕ ሎሚ ሰኑይ 25 መስከረም 2023 ናብ ናይሮቢ ኬንያ ኣምሪሖም ኣለው።

ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስትን ናብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ዑደት ንምክያድ ትማሊ ሰንበት ኣብ ጅቡቲ ንዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ድሕሪ ምብጻሕ፥ሎሚ ድማ ብዛዕባ ምክልኻል ግብረ-ሽበራን ምውሓስ ጸጥታን ምስ ሰበ-ስልጣን ኬንያ ንምዝርራብ ናብ ናይሮቢ ኣምሪሖም ኣለው።

ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስትን ኣብቲ ናይ ጅቡቲ ዑደቶም ምስ ወተሃደራት ኣመሪካ ብምርኻብ ንኣበርክትኦም ኣመስጊኖም።

ኣብ ሱዳን ኲናት ኣብ ዝተወለዓሉ እዋን፡ ኣብ ጅቡቲ ዘለኹም ሓይልታትና ንዲፕሎማት ኣመሪካ ካብ ሱዳን ንምውጻእ ዝገበርክምዎ ስራሕ ኣዝዩ ዝነኣድ`ዩ ዝበሉ ኦስትን፡እቲ መዓስከር ንግብረ-ሽበራውያን ኣብ ምድኻም ዝገብሮ ዘሎ`ውን ዓቢ ስራሕ`ዩ ክብል መጉሶም።

ሚንስተር ኦስተን ኣብ ጅቡቲ ምስ ምስ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን “እዚ መሳለጥያ`ዚ ኣገዳሲ`ዩ። ድሕሪ መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራ 11 መስከረም ዘቖምናዮ መሳለጥያ ነቶም ግብረ-ሽበራውያን ኣብ ምምካት ብዙሕ ሓጊዙ ጥራይ ዘይኮነ፡ከምዚ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ካብ ሱዳን ዲፕሎማት ኣብ ምውጻእ ዝኣመሰለ ስራሕ`ውን ሰሪሑ`ዩ" ኢሎም።

ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ትማሊ ሰንበት ኣብ ጅቡቲ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ`ውን ተራኺቦም ኔሮም።

ሓይልታት ሶማል ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ኣልሸባብ ዝድነቕ ዓወታት የመዝግቡ ኣለዉ ክብሉ`ውን ንኢዶም።

እንተኾነ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ዘይኣተወ ከባብታት ኮይኑ፡ ሽበራ ምውፋር ግን ኣየዕረፈን ክብሉ ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ኣጠንቂቖም።

ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ፕረዚደንት ጅቡትን ሚንስተር ምክልኻል`ታ ሃገርን ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ጁቡቲ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ንዝኾነ መዓስከር ኣመሪካ ብምትእንጋዳ ከምኡ`ውንኣንጻር ጽንፋውያን ጉጅለታት ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ንሶማል ምሕጋዛ ነመስግን ኢሎም።

ከም ኣካል`ቲ ፕረዚደንት ሶማል ኣብ 2022 ዝኣወጆ ምሉእ ዓወት ዝብል መጥቃዕቲ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሶማል ንኣል-ሸባብ ካብ ማእከላይ ሶማል ምስጓጉ ቀጺሉ`ሎ፡ እንተኾነ ኣሸበርቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሶማል መጥቃዕቲ ምፍናዎም ቀጺሎም ኣለዉ።

ዝሓለፈ ቀዳም`ኳ ኣብ ከተማ በለድወይን ኣብ ሓደ መፈተሺ ነቑጣ ብዝፈጸምዎ ናይ መኪና ቦምብ 21 ሰባት ቀቲሎም 52 ኣቑሲሎም`ዮም። እታ መኪና እናተፈተሸት ከላ`ያ ተፈንጂራ።

ለንቅነ ዝርአ ዘሎ መጥቃዕትታት፡ መራሕቲ ሶማል ንምውጽእ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ብ፺ መዓልታት ክናዋሕ ክሓቱ ጌርዎም ኣሎ።

፫ተ ሺሕ ኣብዚ ወርሒ ክወጹ መደብ ኣሎ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ዓመት ክወጹ ዝብል`ዩ ዘሎ መደብ።

እንተኾነ ካብ ሶማልያ ቀልጢፍካ ምውጻእን ኣንጻር ሽበራውያን ዝሕግዝ እኹል ዓቕምታት ዘይምሓዝን፡

ነቶም ኣሸበርቲ ከምቲ ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝገበሮ ነታ ሃገር ክወርዋ ይኽእሉ`ዮም ይብል ቢል ሮጅዮ ተንታኒ ዓለማዊ ግብረሽበራ።

“ ኣብዚ እዋን`ዚ ነዞም ግብረ፡ሽበራውያን ደው ኣብ ምባሎም ጥራሕ ኢና ተጸሚድና ዘለና” ይብል ብምስዓብ።

ብኻልእ ወገን፡ ሩስያዊ ፍሉይ ሓይሊ ጉጅለ ቮግነር ካብ ኣፍሪቃ መሊኡ ኣይወጸን።

እኳ ድኣ ርኡይ ህላወ ኣለዎ፡ ኢሉ ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ልዮድ ኣስቲን፡ ወላ `ውን ድሕሪ ሞት መራሒኡ ዝሓለፈ ወርሒ።

ሓይልታት ቮግነር ኣብ ኣፍሪቃ ዝቕጽሉ ይመስሉ ዝበለ ኦስትን፡ መራሒኡ ይቭገኒ ፕረጎዥን ድሕሪ ሙሟቱ`ውን

ቮግነር ምስ ክረምሊን ዘለዎ ምሕዝነት ዝልሕልሕ ኣይመስልን ክብል ንሪፖርተራት ተዛሪቡ።

ኣብ ኒጀር ስልጣን ዝመንዘዐ ወተሃደራዊ ሓይሊ`ታ ሃገር ነቲ ፕረሲደንት ኣልጊሱ ስልጣን ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡

ሓይልታት ቮግነር ነቲ ኩነታት ክምዝምዙ ይፍትኑ ኣለዉ፡ ይብሉ ሰበ፡ስልጣን ኣመሪካ ክዛረቡ ከለዉ።

ፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማኑአል ማክሮን ብወገኑ ትማሊ ሰንበት ክዛረብ ከሎ፡ ኣምባሳደሩ ካብታ ሃገር ከምዝስሕቦን፡

ክሳብ መወዳእታ`ዚ ዓመት ድማ ፈረንሳ ኣብ ኒጀር ዘለዋ ህላወ ከምዘብቅዕን ኣፍሊጡ`ሎ።

ወተሃደራዊ ጁንታ ኒጀር`ውን ኣምባሳደር ፈረንሳ ክወጽእ ክሓች ጸኒሑ`ዩ፡ ኣፍልጦ ኣይሃብኩምናን ንዝብል።

እቲ ሓዲሽ ምዕባለ ንፖሊሲ ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ዓቢይ ጽፍዒት`ዩ። ድሮ`ውን ካብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ወጽዮም`ዮም።

ፈረንሳ ኣብ ዞባ ሳሕል ኣሸሓት ወተሃደራት ኔሮማ`ዮም።

ኣመሪካ ምስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኒጀር ጸረ፡ሽበራ ስርሒታት ኣይቀጸለትን፡

እንተኾነ ንሓይልታታ ካብ ተኽእሎታት መጥቃዕቲ ንምሕላው ዝሕግዛ ናይ ስለያ ምትሕብባራት ትገብር ኣላ`ያ ኢሉ፡ ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ልዮድ ኣስትን-- ጸብጻብ ካርላ ባብ`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG